2012-01-28 14:43:00

ብፁዕ ካርዲናል ዚሞውስኪ፦ “ሕማም ደዌ እናጎደለ ኣብ ምጉዳል እውን እንተሃለወ፣ ንኅሙማን ደዌ ዝቐርብ ኩለ መደያዊ ደገፍ ክቋረጽ የብሉን”።


ጽባሕ ሰንበት ተዘኪሩ ብዝውዕል መበል 59 ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕማም ደዌ ምኽንያት ናይሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዝይግሙት ዞሞውስኪ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ተላባዒ ሃንሰን ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሕማም ደዌ RealAudioMP3 ኣብ ምንካይ ገጹ እውን እንተሃለወ ነቶም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ዜጋታት ዝቐብር ኩለ መዳያዊ ደገፍ ክቋረጽ የብሉን ከእንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ኅማም ተላገብ ደዌ ቢልካ ካብ ምስያሙ ተላባዒ ሃንሰን ዝብል ግብረ ሙያዊ ስሙ ምጥቃም ዝሓሸ እውን እንተኾነ፣ ከምቲ ቀደም እቶም በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ምንጻል ዝድርኽ ዝነበረ ፍርሒ ክህሉ የብሉን፣ ኣብ ዓለም ኣስታት 200 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ከምዝኾኑን፣ ቁጽሪ ሓደስቲ ሕሙማን ደዌ ይጎድል ከምዘሎ ዓለም ሓቆፍ ክንክን ጥዕና ማሥበር ዝዘርግሖ ጸብጻብ ጠቒሶም ብፁዕ ካርዲናል ዚሞውስኪ፣ እዚ ሕማም ብወፈራ ምብጻሕ ሓበሬታን ብሕንጸት ሓለዋ ጥዕናን መሠረት ይንክይ እውን እንተሃለወ፣ ዓለም ነዚ ሕማም ንምጥፋእ ዝገብሮ ጻዕሪ ክንክይ ከምዘይብሉ ሓደራ ቢሎም፣ እቶም ካብዚ ሕማም ዝሓወዩ ከይተፈርሑ ኣብ ማኅበራዊ ናብራኦም ክምለሱ ደገፍ ክግበረሎም ይግባእ፣ ኢየሱስ ዓሠርተ ለምጻማት ከምዘሕወየ ዘዘትው ኣብ ወንጌል እነንብቦ፣ ሉቃ. ምዕ. 17 ካብ ፍቕዲ 11 ክሳብ 19 ካብቶም ዝነጽሑ ዓሠረት እቲ ሓደ ሳምራዊ ናብ ኢየሱስ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ ዝተመልሰ፣ ተንስእ እሞ ኪድ እምነትካ ኣሕወየትካ ዝበሎ፣ እቲ ዝተዓደለ ጸጋ ፈውሲ ናብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ተመሊሱ ሕይወቱ ክመርሕን ማኅበራዊ ናብራኡ ከመሓድር ከምዝሓገዞ ዘኪሮም፣ እቶም ካብዚ ሕማም ንኽድሕኑ ዝድገፉ ዜጋታት በቲ ዝግበረሎም ደገፍ ክበራትዑን ኣመስገንቲ ክኾኑን ብተራኦም ካብቲ ሕማም ሓውዮም ነቶም ገና ዘይሓወዩ ከበራታዑን መሰኻኽር ምድሓን ኮይኖም ክርከብ ኣተሓሳሲቦም፣ እቶም ብሕማም ደዌ ንዝተጠቕዑ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዘቕርቡ ዝተፈላለዩ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ማኅበራትን ኣመስጊኖም፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብማኅበር ራዉል ፎለረውን ብማኅበር ልኡላን ፈረሰይናታት ማልታ ንሕሙማን ደዌ ዝቕርብዎ ደገፍ ዕዉት መታን ክኸውን ኩሉ ክተሓባበር፣ ወለንተይናታት ክበዝሑ መታን ክጽለይ ከምዘዘኻከሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.