2012-01-28 14:41:38

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ “ማዕረ ማዕረ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኤኮኖሚ ዋዕላ፣ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ሥነ ምግባር ክረጋገጽ”።



በቢ ዓመቱ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኤኮኖሚ ዳቮስ ለብዘበን ካብ ዝሓለፈ ዕለት 25 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 29 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ይቕጽል ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኤኮኖሚ ኣመልኪቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ዘለዉ ጳጳሳዊ ናይ RealAudioMP3 ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን “እዚ ዋዕላ ኤኮኖሚ ግብረ ገብን ሥነ ምግባር ንናይ ኤኮኖምን ዘተን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ጉዳይ ዘመሓድሩ ዝኽተልዎ መሥርሕ መታን ብብቕዓት ከለልዩ ናይ ማኅበራዊ ዓወዲ መሠረተ ሓሳብ ክኸውን ከምዘለዎ” ካብቲ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኤኮኖሚ ዕለታዊ መደባት ፍጻሜ ኣብ ዝተዋሰኑ ርክባት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ናይ ዳቮስ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኤኮኖሚ ናይ መንሰያት ዑቑር ሓይሊ ፍርያማነት ክህልዎን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕልን ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ሥነ ምግባር ክህሉ ከምዘለዎ ዝጽውዕ ኢዩ” ከምዝበሉ ዘመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ቀጺሉ፣ “ዝሓለፈ ወለዶ ኣብ መንግሥትነትን ብሔራውነትን ሕንጸት ምኡኩል ከምዝነበረን፣ እቲ ሎሚ ብሰፊሑ ዝረጋገጽ ዘሎ ኣብ መንጎ ሃገራትን ሕዝባታትን ሕድ ሕዳዊ ምትእስሳርን ሕድ ሕዳዊ ርክባት ክህሉ ዘገድድ ዓለማውነት ምትእስሳር፣ ነቲ ዝሓለፈ ኣብ መንግሥትነትን ብሔራውነትን ሕንጸት ምእኩል ዝነበረ ከይዲ ኣብ ሕቶ ዘእትው ኢዩ፣ ስለዚ እቲ ዘሰክፍ ድማ ሰለይ እናበለ ናይ ዝሓለፈ መንግሥትነትን ምሉእነት መንግሥትነትን ኣምር ብኸፊል ነኸስተልም ዝገብር ማሕታ ምዃኑ ኢዩ። እዚ እቲ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ዓለም ኣግባብ ኅዳሴ ንኽውሰን ዝደረኸ ኣገዳሲ ምልክታ” ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣዘኻኺሮም። እቲ ብቤተ ክርስትያን ዝቐረበ ጻውዒት፣ ዓለማውነት ምትእስሳር ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ብሕድ ሕዳዊ ምትእስሳርን ሕድ ሕዳዊ ርክባትን ዝብል ኣትኩሮ ክብገረሉ ዘተሓሳስብ ኢዩ፣ ስለዚ በቲ ዓለማውነት ምዕባለ’ዚ መሠረት ኣብ ፍልቀት ዘሎ ዓለም ሓደ ናይ ፖለቲካ ሥልጣን ክህሉው ክንሓስብ ይግባኣና ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.