2012-01-28 14:39:54

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ሓደስቲ ሓዋርያዊ ልኡካን ሸሚዮም


ኣብ ቱርኪ ክፍለ ሃገር ኢዝሚር ወረዳ ካርሲያካ ዕለት 18 ነሓሰ 1961 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 25 ግንቦት 1986 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ናይ ኢስሚር ሰበኻ ውሉደ ክህነት ኣባል፣ ብሕገ ቀኖና ሊቅነት ዘመስከሩ ብፁዕ ኣቡነ ዅሊዮ ሙራት ካብ ዕለት 1 ጥሪ 1994 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ተልእኾ ተመዲቦም ኣብ ኢንዶነዥያን ፓኪስታንን ቢየሎሩሲያን ኦስትሪያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት RealAudioMP3 ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ክፍሊ ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሊቀ ጵጵስና ክብሪ ክብ ቢሎም ኣብ ፈረንሳን ናይ ኦራንጀ መንበረ ሰበኻ ሥልጣን ስዩመ ሊቀ ጳጳስ ተቐቢሎም፣ ኣብ ዛምቢያ ናይ ቅድስቲ መንበረ ሓዋርያዊ ወኪል ንኽኾኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልከት ብፁዕ ኣቡነ ሙራት ጣሊያንን ፈረንሳን ኢግሊዝን ጀርመንን ግሪክን ቋንቋታት ብብቖዓት ዝዛረቡ ምዃኖም እውን መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።
ብፁዕ ኣቡነ ሳንቶ ጋንጀሚ ዕለት 16 ነሓሰ 1961 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ መሲና ዝተወልዱ ዕለት 28 ሰነ 1986 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ብሥነ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ሊቅነት ዘመስከሩ ካብ ዕለት 1 ሓምለ 1991 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣገልግሎት ተመዲቦም ኣብ ሞሮኮን ኢጣሊያን ሮማኒያን ኩባን ቺለን ፍረንሳን ስፐይንን ግብጽን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ነዘገልገሉን ከምዝኾኑ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ዘኪሩ፣ ቋንቋ ፈረንሳን ስፓንሽን እንግሊዝን ዝመልኩ ናይ ኡምብሪያቲኮ ሓዋርያዊ መንበር ናይ ሥዩመ ሥልጣን ክህልዎም ናብ ማዕርገ ሊቀ ጵጵስና ክብ ቢሎም ኣብ ደሴታት ሳሎሞን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽኾኑ ብቕዱስ ኣቦና ከምእተሾሙ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።
ናይ ሞንተቨርደ ሥዩመ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ሓዋርያዊ ልኡኻት ኣማኻሪ ብፁዕ ኣቡነ ሉቻኖ ሩሶ ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ተልእኾ ቤት ጽ/ፈት ሓላፊ ንኽኾኑ ቅዱስ ኣቦና ከምዝሸምዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ብፁዕ ኣቡነ ሩሶ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ካዘርታ ዕለት 23 ሰነ 1963 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 1 ጥቅምቲ 1988 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ብሕገ ቀኖና ሊቅነት ዘመስከሩን ኣብ ፓፑዋ ኑዎቫ ጊነያን ሆንዱራስን ሶሪያን ብራዚልን ነዘርላንድን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ቡልጋርያን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ዘገልገሉን ፈረንሳን ኢንግሊዝን ስፐይንን ቋንቋ ዝዛረቡ እውን ክመዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.