2012-01-26 14:18:10

ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.
“ቤተ ክርስትያን ኣብ ምእማን ዘሎ ሓጎስ ንዳግማይ ርኽበት ክትዓዪ”


ኣብ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ እቲ ናይቶም ውሁዳንን ውሕስነት እውን ዘይነበሮም ንብዙሕ ሓደጋ ተቓሊዖም ናይ ዝነበሩ ቀዳሞት ማኅበረ ክርስትያን ውዕዉዕ ስምዔት ሓዋርያነት ሎሚ ቤተ ክርስትያን ዳግም ክትረኽቦን ክትነብሮን ሕጹጽ መንፈስ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ምዕዳን ምዃኑ እንክፍለጥ እቲ ናይ 2012 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ቅዱስነቶም ዘተሓላልፍዎ መልእኽቲ ትማሊ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ መግለጺ ቅድስቲ መንበር እንከመልክት፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በቲ ናብ ኣሕዛብ እተሰምየ ውሳኔ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ናብ ኣሕዛብ ዘነጽር፣ ቅዱስ ኣቦና ተወኪሶም፣ እቲ ውሳኔ “ናብ ኣሕዛብ” ናይ ቤተ ክርስትያን ኵለ መዳያዊ ምንቅስቃሳትን ኣገልግሎትን ናይ ዝሥዋእ ፍቕሪ ምንጪ ዘየቋርጽ ደረት ትርኢትን ተመኵሮን ክኸውን ከምዘለዎ ከምዘተሓሳሰቡ ይምልከት።
እቲ ደቡባዊ ክፍሊ ዓለምን ገለ ገለ ክፍልታት ምብራቕን ድኻ ክፍሊ ዓለም ብዝብል ስም ተፈልዩን ሳልሳይ ዓለም ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ካብቲ ከባቢ ዝመጹ ትሕቲ 50 ዓመት ዕድመ ዝነበሮም ብፁዓን ጳጳሳት ናይቲ ከባቢኦምን ኣብቲ ከባቢኦምን ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ ክነሶም ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ብውዕዉዕ ወንጌላዊ ምስክርነትን ተመክሮን ዝተሰነይ ምዃኑ ዝጉልሕ ናይ ተልእኮ ወንጌል ተመክሮ ተሓንጊጦምዎ ኣብ ሮማ ክመጹን ኣብቲ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ከባቢ ዓለም ዝንበርን ዝስበኽን ቃለ ወንጌል ብሓቂ ሕይወት ዘለዎ ከምዝኾነ ኣብ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ዝተነብረን፣ ቅዱስነቶም መንእሰይ ካህን እንከለዉ ኣብቲ ጉባኤ ብምስታፍ ዘስተማቐርዎ ተመክሮ ምዃኑ ኣብዚ ንናይ 2012 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእኮ ወንጌል ዘተሓላለፍዎ መልኽቲ ጠቒሶም፣ እታ ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ኦቻንያን እስያን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ውዕዉዕ ሓይሊ ተልእኮ ወንጌል፣ እቲ ናብ ኣሕዛብ ዝብል ውሳኔ ክእወጅ ከምዝገበረን ሕጹጽነት ኣስፍሆተ ወንጌል ከምዘቃለሔን ሎሚ እቲ ራእይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተመክሮ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መበል 50 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ጎሊሑን ኣብቶም ዝሓለፉ 50 ዓመታት ከይተዘንግዔ ቀጻሊ ኮይኑ ከምዘሎን ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፣ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱን ኣብ ብፁዓን ጳጳሳት ቀጻልነቱ ዝተረጋገጸ ብዝተፈላለዩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብማኅበራት ልኡካነ ወንጌልን ተቛማትን ማኅበረሰብ ቁምስናታትን ዝንበር ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይጽንቀቕ ናብ ዓለም ኩሉ ኪዱ እንክብል ምኻድን ተሕዝቶ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነጸረሉ ጸዋዕታ ናይ መላእ ቤተ ክርስትያን ተግባር ኢዩ። ሰበኻታት ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ዕለታዊ ሕይወት ተሠሪተን ነቲ ኣብ ቀጻሊ ምቅይያር ዝርከብ ዓለም ዝነብሮ ዘሎ ቅልውላው እምነት ብምስትውዓል፣ ነዚ ዝብድህ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ምቕራብ ምትጋህ ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።
ከምቲ ቅዱስነቶም ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዝብገሥ ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመትን ከምኡ ኣውን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘማእከለ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝወሰንዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትይን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣስፍሆተ ወንጌልን ወንጌላዊ ልኡክነት ዘነቓቕሕን ኣብ እምነትን ኃላፍነትን/ግቡእን ማለት እምነት ኣብ ምክፋልን ምብጽሕን ዝብል ግቡእነት ዘሎ ምትእስሳር ኣብ መልእኽቶም ኣመልኪቶም፣ ኣብ ምእማን ዘሎ ሓጎስ ንምክፋል እምነት ዳግም ምርካብን ሓድሽ ውዕዉዕን ብርቱዕ ተገዳስነት ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብተን ክርስትና ብልማድ ዝንበረለንን ኣብ ክርስትና ሕይወተን ዝደኸማን ካብ ዘመናት ወንጌል ዝበጽሔንን ዝፈልጠኦን ኮይኑ ግን ውከሳ ኣብ እግዚኣብሔር ዘጥፍኣ ዘለዋ ሃገራት ክነቓቓሕ ይግባእ። ክርስትና ካብ መዳይ ውልቃውን ቤተ ክርስትያናውን ሕይወት ከይተነጸለ ኣብ ማኅበራዊ መዳይ ዝግለጽ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ንወንጌል ቅንኣትን ውዕዉዕ ስምዒት ወንጌላውነት ነቲ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ንብጻይካ ቀረባ ኣብ ምዃን ኣብ ናይ ግብረ ሠናይ ኣገልግልቶን ፍትሒ ንድኻታትን ዝትርጐም ኢዩ። ስለዚህ መደብ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸትን ካብ ሓለዋ ጥዕናን ክሳብ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዝብል ኣገልግሎት ዘጠቓልል ኵለ መደያዊ ኣገልግሎት ዘኸትል እዩ ምስ በሉ፣ ነቶም ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገልግሎት ዝተጸምዱ ካህናትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ብፍላይ ድማ ጳጳሳዊ ተግባረ ልኡካነ ወንጌል ኣመስጊኖም፣ ቅዱስነቶም ናብቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝነበረን ብዘይምቁራጽ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ፈለማ ማኅበረ ክርስትያን ኣብነት ምልስ ቢሎም፣ እቲ ውዕዉዕ መንፈስ ክርስትና ንናይ ሎሚ ማኅበረ ክርስትያን ሕይወትን ቃልን ንዘጣመረ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ከነቓቕሕ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.