2012-01-24 14:11:40

ሊቢያ፣ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽ


ኣብ ሊቢያ ቤንቃዚ ዝርኤ ዘሎ ጸረ መንግሥቲ ሰላማዊ ሰልፍን ናይቲ መንግሥቲ ካልኣይ ዓቢ በዓል ሥልጣን ኣብደል ሃፊዝ ጎጋ ካብ ሥልጣኖም ብፍቓዶም RealAudioMP3 ምውራድ ዝኣመሰለ ዝርአዩ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ምልክታ ኣብታ ሃገር ዘለዓዓሎ ዘሎ ውጥረት እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 መሰጋገሪ መንግሥቲ እንተድኣ ወዲቑ ሊቢያ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ከምእትሕመስ ርእሰ ብሔር ሙስታፋ ኣብደል ጃሊል ኣጠንቂቖምን ሓጋጊ ቤት ምኽሪ 10 ሚእታዊ ብደቂንስትዮ ክሽፈን ዝብል ዓንቀጽ ዝተሓኰ ከምዝኸውን ዝንገረሉ ዘሎ ናይ ሕዝባዊ ምራጫ መምርሒ ሕጊ ዕለት 28 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ከምዝሓበሩ እውን እንክምልከት፣ ኣብ ኢጣሊያ ትሬንቶ መንበረ ጥበብ ናይ እስላም ሃገራት ታሪኽ መምህር ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ማሲሞ ካምፓኒኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቶም ኣብ ናይ መሰጋገሪ መንግሥቲ ዘለዉ ላዕለዎት ናይ መንግሥቲ ኣካላት ምስ ናይ ገዳፊ ዘመን ፖሊቲካ መሰታ ኢያቶም፣ ከምኡ እውን ሊቢያ ኩለ መዳያዊ ዳግማይ ሕንጸት ዘድልያ ሃገር ኢያ፣ እቲ ኣል ጃማህሪያ ዝብል ናይ ገዳፊ ፖለቲካዊ ኅልዮ ንእዋናዊ ሃገር ቦታ ዘይህብ ንዝነበረ ሃገራውነት ዝትክእ ሓድሽ ሃገራዊ ኣመለኻኽታ ክሕነጽ ኣለዎ። ገዳፊ ናይ ዘውሑዳት ሊባውያን ድጋፍ ስለ ዝነበሮም፣ ዋላ’ኳ ደሓር ፍጻሜኦም ዝተራእየ እውን እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተላዓዒሉ ዝነበረ ተቓውሞ ንነዊሕ እዋን ተኸላኺሎምዎ ኢዮም፣ እቲ ዝነበሮም ድጋፍ ድሕሪ ምትሓዞምን ቅትለቶምን ድሓር እውን ተካኢኦም ዝበሃሉ ወዶም ሳይፍ ኣል ኢስላም ምስእተትሓዙ ዘየለ ድጋፍ ኢዩ ቢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል እዩ። ምግምማዕ ዘስግኣ ሃገር እውን ኢያ። ነዚ ዘረጋግጾ ድማ እቲ ዘሎ ናይ መሰጋገሪ መንግሥቲ ናይ መላእ ሃገር ውክልና ዘለዎ ኣይመስልን፣ ብኻልእ መዳይ እቲ ኣብ ሊቢያ ዝተባርዔ ሕዝባዊ ናዕቢ ኣበጋግሳኡ ዘይንጹር ኢዩ። እቶም ተቓወምቲ ዕጡቓት ምንባሮምን፣ ድሕሪ እቲ ገና ኣብ ምብጋስ ሕዝባዊ ናዕቢ፣ ገዳፊ እቶም ምስኦም ሰናይን ናይ ቀረባን ክሌኣዊ ርክባት ዝነበሮም ምዕራብ ሃገራትን የዕራብ ሃገራት ዝተሓድጉ ኮይኖም ክርከቡ ምራኣይ ነቲ ሕዝባዊ ናዕቢ ዘይንጹር ዓቢ ሕቶ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት። እቲ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ናይ መሰጋገሪ መንግሥቲ ከነጽሮ ዘለዎ ክፍሊ ታሪኽ ሊቢያ ኢዩ። ምናልባት እቲ ዘሎ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግሥቲ ኵለ መዳያዊ ሕዳሴ ከምጽእ ተባሂሉ ብዝእመነሉ ምስ ናይ ገዳፊ መንግሥቲ ርክብ ብዘይነበሮም ኣካላት ዝቖመ ካልእ መንግሥቲ ክትካእ ዝከኣል ኢዩ።
እቲ ጽድያ የዕራብ ሃገራት፣ ንናይ እስላማዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ድዩ ናብ ሥርዓት ዴሞራሲ ዘብጽሕ ተኽእሎ ዘለዎ ፖሊቲካዊ ቤተ ሙከራ ኢዩ። ክፍለጥ ዘለዎ ድማ እቲ ኣብተን ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ዴሞክራስያዊ ሥርዓት ቅርጹ ኮነ ብመሠረታዊ ነገሩ ምስቲ ናይ ምዕራብ ሃገራት ዴሞክራሲያዊ ሥርዓት ዝራኸብ ሓደ ዓይነት ከምዘይከውን ኢዩ። ስለዚህ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘብሎ ከይዲ ዝህልዎን፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካውን ሓሳብን ማኅበራውን ኅልዮን ተግባርን ክህልዎ ዕድል ዝፈጥረሉ እዋን ክኸውን ዝኽእል ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.