2012-01-21 13:52:11

ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ፦ “ሓድሽ ሰብ፣ ሓሳባዊ ወይ ጭቡጥ?”


ቅድሚ ትማሊ ዕለት 19 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ዝሓለፉ በዓለ ፋሲካ ስብከታቶም ዘማእከል ዓወደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚኪየለ ራቪያርት RealAudioMP3 ገሊጾም፣ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ሓድሽ ሰብ፣ ሓሳባዊ ወይ ጭቡጥ? ብዝብል ሕቶ ዝተመርሔን ዝተፈላለዩ ምሁራት ካህናትን ዓለማውያንን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ምዃኑ ራቪያርት ሓቢሮም ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ዳል ካቮሎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2007 ዓ.ም. በዓለ ፋሲካ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ስብከት ቅዉም ነገር ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ምዃኑን፣ እቲ ንሰብ ክራኸብ ዝመጽእ ክርስቶስ ኣብቲ ኩሉ ሰብኣዊ ሲኦል ወሪዱን፣ ካብ ክፍኣትን ሞትን ናጻ ዝኾነ ናብ ሓድሽ ሕይወት ዝደየበ ክርስቶስን ስለዚህ ምውራድን ምድያብን ኣብ ዝብሉ ክልተ ሓሳባት ዝቖመ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ምዃኑ እንከመልክቱ፣ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቶር ቫርጋታ መንበረ ጥበብ ናይ ሥነ ኣዕምሮኣዊ ሕክምና ሊቅ ኣልበርቶ ሲራኩሳኖ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ዝሓለፉ ፋሲካታት ሥልጣናዊ ስብከቶም ትርጉምን መሠረታዊ መልእኽቲ ኣእዳው ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጥርን ንሰብ ዘናድያን ዝልውጥ ምትንካፍ ዝብል ምዃኑ ዘነጽር እዩ እንክብሉ፣ ብፁዕ ኣቡነ ካቮሎ ሓድሽ ሰብ ምሥጢረ ጥምቀት ዝተቐበለን፣ በዚ ኃይሊ ቅዱስ ምሥጢር’ዚ ምስ ክርስቶስ ዝተራኸበን ኢዩ፣ ስለዚህ ቅድሳት ምሥጢራት ምልክተ ተምሳልነት ዘይኮኑስ ኣብቲ ጭቡጥ ነገር ዝቕርጽን ቅርጺ ዝህብን “’ዝልውጥ’ ኢዩ። እዚ ድማ ንሰብ ብሓቂ ሓድሽ ሰብ ዝገብር ኢዩ። ዝተጠምቀ ሓድሽ ሰብ ኮይኑ ክበሃል ኣንከሎ ብሓሳበ ተምሳል ዘይኮነስ ብሓቂ ሓድሽ ሰብ ኮይኑ ማለት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነዚ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ናይ ዝሓለፉ በዓለ ፋሲካ ስብከታቶም ኢዮም ዘቕረቡ። ነቲ ጸልማት ብብርሃን ዝለወጠ ነቲ ብመዓጹ ሞት ዝተኣታታወ ጸላም ቀንጢጡ ብርሃን ዝሃበ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዘማእከለን ስለዚህ ምእመናን ነቲ እዋናዊ ሰብ ፍቕሪ ካብ ጽልእ ኃያል ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን ክምስክር ከምዘለዎ ክርስትያን ማለት ተኸታሊ ክርቶስ ምዃን ዘለዎ ሓላፍነት ዘነቓቕሕ ኢዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚኪየለ ራቪያርት ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.