2012-01-21 13:48:42

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ዝኾነ ይኹን መሰናኽል በዲህኩም ቃል ኣምላኽ ኣበሥሩ


ትማሊ ዕለት 20 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ካብተን ሓሙሽተ ናይ ሮማ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሓንቲ ዝኾነት ዕለት 5 ጥሪ 1857 ብሓልዮት ብፁዕ ካርዲናል ዶመኒኮ ካፕራኒካ (1400-1458) ዝተመሥረተ ተቛም ኣልሞ ካፕራኒካ ማኅበረሰብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት RealAudioMP3 ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት በዓል ሓላዊት ቅድስቲ ኣኜዘ ምኽንያት ተቐቢሎሞ መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ቅዱስነቶም ናይዚ ማኅበርሰብ ኣልሞ ካፕራኒካ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ መዳይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብትብዓት ክተግሁ ብዓንተውኡ ብመንፈሳውን ሰብኣውን ሥነ ፍልጠትን ክሰናዳዉ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጸዋዕታን ሕይወትን ክህነት መዓሙቕ ምስ እግዚኣብሔር ጽዑቕ ርክብ ክህሉ ይግባእ ምስ በሉ ነታ ቅድሚ ሓሙሽተ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ናይቲ ቤተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሓላዊት ቅድስቲ ኣኘዜ ተክለ መንነት ዘኪሮም ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ መንሰያት ካህናት ብዙሕ ትጽቢት ከምዘለዋን፣ እቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ምስ ክርስቶስ ምሉእ ውኅደት ኣብ ዘረጋግጾ ሓቀይና ባህሊ ጽባቔ ተሰሪቶም፣ ነዚ ክርስቶሳዊ ውህበትን ውበትን ብሓቀይናነትን ብሓጎስን ከበሥሩ ምዒዶም፣ ወትሩ ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽን ባህልን ቀልቢ ክህልዎምን ብፍላይ ድማ ኣብ ሮማ ምንባር ነቲ ካቶሊካዊ ጥልቂ ባህሊ ኣቃልቦ ንምግባር ዘብቕዕ ጸጋ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ እትሕነጽሉ ዘለኹምሉ እዋን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀረባ ኰይንኩም ኣብ እትነብርሉ ዘለኹም እዋን ብሓቂ ናይቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ኩላውነት እዚ ድማ ወንጌል ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ምብሣር ዝብል ተልእኾ ኣድማስ ንኽትነብሩን ከተስተማቕሩን ዘብቕዓኩም ዓቢ ዕድል እዩ። እዚ ኣልሞ ካፕራኒካ ቤት ምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዓለም ለኻዊ ተመክሮ ዝንበረሉ ምዃኑ ዘኪሮም፣ ንኹሉ ፍጥረት ሰብ ቀረባ ንምዃን ክትሰናደዉን፣ ነቲ ዝተጽዋዕኹምሉ ዕላማ ኣስፍሆተ ቃል ሕይወት ብቃልን ሕይወትን መሠኻኽር ክትኾኑ ንዝብል ጸውዕታ ዝኾነ ይኹን ባህሊ መሰናኽል ክኾነኩም የብሉን፣ ሕንጸት ክህነት ዘይገራጨው ሕይወት ማለት ምሉእነትን ብቕዓትን ልምምድ ሰቂለ ኅሊናን ጽንዓትን ነቕ ዘይብል ቆራጽ ተኣማንኒ ምዃን ዝሓትትን ምስ እግዚኣብሔር ጽኑዕ ርክብ ዘነቓቕሖ ኣብ ሊጡርጊያዊ ሕይወት ብምዝውታር ቅዱሳት ምሥጢራትን መሠረት ጽኑዕ መንፈሳዊ ሕይወት ክህልዎ ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበረ መግለጺ ቅዱስ መንበር ኣስዒቡ፣ ሕይወት ክህነት ናብ ዝተቐደሰ ሕይወት ዘቕንዕ ኢዩ፣ ብሥነ ፍልጠትን ሥነ ባህልን ዓሚዩቕ ሕንጸት ዘለዎ ክኸውንን እዚ ድማ እምነት ብመንፈሳውነት ኣድማስ ጥራሕ ዘይኮነ ብኣምክንዮን ፍልጠትን እውን ዝተሰነየን እምነትን ምርምር ዝማልኡን፣ እምነት ንምርምር ሓቀይና ትርጉሙን ተግባሩን ዘነጽር ምዃኑ ተገንዚቡ፣ ሕይወት ክህነት ምሉእ ምስንዳው ዘድልዮ ኢዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ሕይወት ተመክሮ ቅድስቲ ኣኜዘ ዘኪሮም፣ ዝኾነ ይኹን ብኣደባባይ ናቮና ዝሓልፍ ነታ ኣብኡ ዘላ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ኣኜዘ ኣብ ዓውዲ ሠማታት ርእዩ፣ ከተማ ሮማ ኣብ መሠረት ዕርክነት ምስ ክርስቶስ፣ ኣብ ምክነርነት ደቃን ዝተሓንጸት ምዃኑ የስተውዕል ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.