2012-01-14 17:50:16

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ሐለፍቲ ጸጥታ ፖሊስ ተቀቢሎም አዘራሪቦም ፡


ንሐለዋ ጸጥታ አብ ቫቲካን ዝተመደበ ሐይሊ ፖሊስ ከም ዘሎ ክፍለጥ ከሎ ፡ ትማሊ ሐለፍቱ አብ ቫቲካን ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተራኺቦም ።

በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ንቫቲካን ዝተመደበ ሐይሊ ፖሊስ ሐለፍቲ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ከም ዘመልከትዎ ፡ ብመሠረቱ ሐይሊ ፖሊስ ንፍትሕን ንሰላምን ዝቆመ ከም ዝኾነን ነዚ አብ ግብሪ ምትርጓም የድሊ ።

እቲ ንቫቲካን ዝተመደበ ሐይሊ ፖሊስ አብ ቫቲካን መቃብራት ቅዱስንስ ጰጥሮስ ወ ጳውሎስ ክሳለሙ ንዝመጹ ነጋድያን ድሕነት ዘካይድዎ ስራሕ ንኢዶም ክአ አመስጊኖም ።

ንዘለዓለማዊት ሮማ ዝውሕዙ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን ንዘለዓለማዊት ከተማ ሮማ ይኹን ንረፓብሊክ ኢጣልያን ሀብቲ ድአምበር ሽግር ከም ዘይኮነ ክአ ገሊጾም።

አብቲ ቅድሚ ቁሩም ግዜ ዝተዛዘመ 2011 ዓመተ ምሕረት ክርስትያን ብእምነቶም ዝተላዕለ አብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም አብ ልዕሊኦም ግፍዕን ስቃይን ከም ዝወረደ ዘኪሮም ክአ እዚ አዝዩ ከም ዘሕዘኖም አገንዚቦም።

ዝበዝሕ ግዜ አብቲ ውልቃውን እኩብን ንዋታዊ መክሰብ ንምርካብ ቅድድም ዝካየደሎም ሕብረተ ሰባት ፍትሒ አልቦነት ክስዕርር ከም ዝርኤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አመልኪቶም።

አተሐሒዞም አብቲ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ሐዲሽ ዓመት 2012 አብ ንዕለተ ሰላም ባሕቲ ጥሪ ዘተሐላለፍዎ መልእክተ ሰላም ንመንእሰያት ፍትሕን ሰላምን ምምሀር ምግላጽ ምዝኽካር አብ ሕብረተ ሰብ ወሳኒ ከም ዝኾነ ከም ዝርድኡ ምግባር ከም ዘድሊ አውራ ትሕዝቶ መልእኽቶም ከም ዝነበረ አዘኻኺሮም።

ብምፍላጥ ወይ ክአ ብዘይ ምፍላጥ ብስም ፍትሒ ክብርን ግርማን መሰልን ሰባት ክግሀስ ከም ዝርኤን እዚ ዘሕዝንን ተቀባልነት ከም ዘይብሉን ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አመልኪቶም ።

በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ብምኽንያት መጀመርያ ሐዲሽ ዓመት ምስቶም ንሐለዋ ቅድስቲ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ቫቲካን ዝተመደበ ተቅዋም ፖሊስ ሐለፍቲ አብ ዝተራኸበሉ ግዜ ከም ዝገለጽዎ ፡ሰላም ህያብ እግዚአብሔር እዩ ፡ ስለዚ አመንቲ ብጸሎት ብምህልላ ሰላም ክጐናጸፉ ይኽእሉ ።

ፍትሒ አልቦ ሰላም አልቦ ከም ዝኾነ ጥቂሶም ክአ ፍትሐዊ ክጠፍእ ከሎ ሰላም ከም ዝሀስስ ገሊጾም ።

ሰላም ክህንጽ ከም ዝክእል ርዱእ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ በነዲክቶስ መበል 16 ምትሕልላይ ምጽውዋር ምትሕብባር ካብ ስስዔን ምክዕባት ንዋታዊ ነገራትን ምርሐቅ ንሰላም ከም ዝሕግዝ ገሊጾም።

አብ መወዳእታ ድምጾም ብጠንቂ ግዝያዊ ሕማም ሰዓል ንጹር ስለዘይኮነ ይቅሬታ ሐቲቶም ንሐለፍቲ ፓሊስ ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተሰናቢቶሞም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.