2012-01-12 14:03:56

ኖርወይ፣ ናይ ኤውሮጳ ‘ሃይማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ጉባኤ


ካብ ዕለት 9 ጥሪ ክሳብ ዕለት 11 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ኖርወይ ናይ ኤውሮጳ ‘ሃይማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ‘ድኅረ ጽድያ የዕራብ ሃገራት ኣብ ጎደና ዳግማይ ሕንጸት ኣገዳስነት ሱታፌ RealAudioMP3 ዝተፈላለያ ሃይማኖታት’ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዘተየ ጉባኤ ከምእተኻየደ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኤውሮጳን “ድኅረ ጽድያ ዓረብ ዝተኣታተዉ ብዶሆታት በዲህካ ሃገራዊ ሕንጸት ንምርግጋጽ ዘብቕዕ ተኽእሎ ብሓባር ምልላይ” ኣብ ዝብል ዕላማ ኣሚቱ ዝተኻየድ ከምዝነበረ እውን እቲ ናይ ኤውሮጳ ‘ሃይማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ቅድሚ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።
እቲ ናይ ኖርወይ ከተማ ስቲክለስታድ ጉባኤ እቲ ኣብ ሞርኮ ከተማ ማራከሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2011 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ‘ሃይማኖታት ንሰላም’ ቤት ምኽሪ ናይ ዘካየዶ ጉባኤ መቐጸልታ ምዃኑ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ቀዳሞት ኣዋርሕ ዝተራእዩ ኩነታት፣ ዓለም ዘገረመ ኣብ ዘረጋገጾም ለውጥታት፣ ተራ ሃይማኖታት ንምልላይ ዝሃቀነ እውን ከምዝኾነ ሓቢሩ። ሃይማኖታት ኣብ ሕንጸት ሃገር ዘለወን ዓቢይ ተራ ዘመልክት ታሪኻዊ ክስተት እውን ምዃኑን ኣብቲ ዝተኣታተወ ጽድያ ዓረብ ዝተጸንሰ ናይቲ መጻኢ መሠረት ሎሚ ኣብ ዝብገስ ሕንጸት ሃገር ተራ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን መሠረታዊ ምዃኑ ዝእምነሉ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ናይ ኖርወይ ኣኼባ ኣመልኪቶም ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሃይማኖት ንሰላም ጨንፈር ኢጣሊያ ዋና ጸሓፊ ልዊጂ ደ ሳልቪያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ሃይማኖት ንሰላምን ንኽብሪ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ኢዩ። ስለዚህ እዚ ንኽረጋገጽ ድማ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ኣብ ናይ ውልቂ ረብሓ ዝኣመተ ናይ ሓባር ስምምዓት ውሳኔታትን ምቛም ዘይኮነስ ኣብቲ መሠረታውን ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾኑ ክብርታት ንገዛእ ርእሱ ብዘይ ማንም ድጋፍን ፍቓድ ኵላውንት ባህርይ ዘለዎ ዝቐውም ክክኸውን ኣለዎ።
ኣቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘበገስዎ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም መደብ ምንም’ኳ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ሎሚ እውን ንኣብነት ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ቅነ በዓለ ልደት ዝተራእየ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ፣ ብሽም እግዚኣብሔር ሞትን ራዕድን ዝዘርኡ እውን እንተለዉ፣ ሃይማኖት መጋበርያ ዓመጽ ከምዘይኮነ ኩለን ሃይማኖታት ክቃልሓልን ሕዝቢ ንፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ከነቓቕሓ ግድነት ዝብል ሓላፍነት ኣለወን፣ ብሽም እግዚኣብሔር ሕይወት ካብ ሞት ምንጋፍ እምበር ናብ ሞት ነውኒውካ ምጽዳፍ እቲ ዝዓበየ ሓጢኣት ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.