2012-01-11 09:16:50

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት ተቀቢሎም፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ አብ ቅድስቲ መንበር ንዝተመደቡ አምባሳደራት አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ተቀቢሎም

ነቶም አምባሳደራት ዲስኩር ጌሮም ።

አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ወትሩ አብ መጀመርያ ሐዲሽ ዓመት ነቶም አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት አብ ውሽጢ ቫቲካን አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ተቀቢሎም ርሑስ ዓመት ከም ዝምነይሎም ዝዝከር ኢዩ ።

ቅድስቲ መንበር አብዚ ግዜ”ዚ ምስ 179 ሀገራት ዓለም ዲፕሎማቲካዊ ርክብ ከም ዘለዋ ክአ ይፍለጥ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ነቶም አምባሳደራት ተቀቢሎም ርሑስ ሐዲሽ ዓመት 2012 አብ ዝተመነይሉ ግዜ አብ ዘስምዕዎ ዲስኩር ፡ አብቲ አብዚ ግዜ”ዚ ብፍላይ አብ ምዕራባዊ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ኤኮኖምያውን ፋይናንሳውን ቅልውላው ማእከል ዝገበረ ዲስኩር ከም ዝገበሩ ተፈሊጡ አሎ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘመለክትዎ ፡ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው ንምንጋፍ ወይ ክአ ነጻ ንምኳን አብ መላእ ኦኣለም ሰላም ክሰፍን ብትግሀት ምጽዓር የድሊ ።

ምኽንያቱ ኢሎም በነዲክቶስ መበል 16 ሰላም አልቦ ልምዓት አልቦ ስለ ዝኾነ ወዲ ሰብ ማእከል ዝገበረ ፖሊቲካዊ መርሃ ፖሊቲካ የድሊ ክአ ኢሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ቀጺሎም ከም ዘመልከትዎ ፡ መለኮታዊ ብርሃን ዘይበርሆ ዓለም ኩሉ ግዜ አብ ጸልማት ክነብር ስለ ዘይብሉ ወትሩ ክብርን ግርማን ፍጥረት ክዕቀብ ከም ዝግባእ አገንዚቦም።

እዚ ሕጂ አጋጢሙ ዘሎ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው አብ ብምጣኔ ሃብቲ ዝማዕበላ ሀገራት ጥራሕ ዘይኮነ አብተን አብ ምምዕባል ዝርከባ ሀገራት ሰፊኑ ከም ዘሎ ጠቂሶም ፡ አህጉራት ዓለም ክተሐብበራ ክአ ተማሕጺኖም ።

አህጉራት ዓለም ልዕሊ ኹሉ መጻኢ ዕድል መንእሰያት አቃልቦ ሂቦም ክሰርሑ ንመንእሰያት ተስፋ ክህቡ ክአ ተማሕጺኖም።

ቅድሚ መካኒካዊ ምምሕዳር ዓለም ለኸዊ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው ዘተኮረ ዘተ ምክያድ ትሕዝቶ ሰብአዊ ሞራል ክጽናዕን ክምርመርን ከም ዝሐይሽ ዘመልከቱ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ኤኮኖሚ ሕልና ወዲ ሰብ ክርኤ ይግባእ ።

ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዝሰርዕ ካብ ብልሽውናን ሞራል አልቦን ነፃ ዝኾነ ሐዲሽ ሥርዓተ ኤኮኖሚ ከም ዝድሊ ክአ አገንዚቦም።



ነቲ ዓረባዊ ጽድያ ዝጽዋዕ አብ ሰሜናዊ አፍሪቃን አብ ማእከላይ ምብራቅን ብመንእሰያት ዝተጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ንለውጢ ዘኪሮም ክአ ክብርን ማዕርነትን ህዝቢ ዝተኮረ ከም ዝኾነ ጠቂሶም አም መስርሕ ለውጢ ሽግራት ከም ዘጋጥሙን ሰላማውን ፍትሐውን ፍታሕ ከም ዘድልዮምን አመልኪቶም።

ሀገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ መስርሕ ንሐዲሽ ፖሊካውን ኤኮንምያውን ለውጢ አብ ዝክየድሉ ኩርንዓት ዓለም አብ ምርግጋእን ህንጸተ ሰላምን ስሉጥ ምትሕብባር ከካይድ አህዝባ ብሰላም ዝነብሩሉ ፖሊሲ ክሕንጽጽ ከም ዝግባእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም ትማሊ አብ ቫቲካን አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ዝተቀበልዎም አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት ገሊጾምሎም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዞም እቲ አብ ሶርያ ዚካየድ ዘሎ ምፍሳስ ደም ብዙሕ ከም ዘሕዘኖም ጠቂሶም ፡ ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ነዚ አብ ሶርያ ዘሎ ህውከት ገቲኡ ነቲ ፖሊቲካዊ ሽግር ሰላማዊ ፍታሕ ረኺቡ ህዝቢ ሶርያ ብሰላም ዝነብረሉ ኩነታት ክረክብ ተማሕጺኖም።

ናይ ሮማዊት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብዚ እዋን”ዚ አብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም አብ ናይጀርያ ጸረ ክርስትያን ዝተኻየደ ዓመጽ አብ ዒራቅ አብ ደቡብ ሱዳን አብ ኮት ዲቭዋር አብ ሶማልያ አብ ዓበይቲ ቀላያት ዘሎ ህውከት ብዙሕ ከም ዘተሐሳስቦምን ሕይወት ወዲ ሰብ ንብላሽ ክጠፍእ ከሎ ዘከትሎ ሐዘንን ዓቢ ከም ዝኾነ ጠቂሶም መንግስቲ ዮርዳኖስ መስርሕ ሰላም ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ክጅመር ዘርአዮ ትግሀት አመስጊኖም።

ፍልስጤማውያን እስራኤላውያንን ልዕሊ ኹሉ ናይ ህዝቦም ሰላም ማእከል ዝገበረ ነባሪ ሰላማዊ ፍታሕ ዝአመተ ዝተ ከካይዱ ተላብዮም።

ነፃነት ሃይማኖት መስረታዊ መሰል ሰብ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ናይ ኩልም ሃይማኖታት ተኸተልቲ በብሃይማኖቶም ብሐባር ብሰላም ክነብሩ ይግባእ ኢሎም ።

ሃይማኖት መሳርሒ ሰላም ድአምበር ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ዓመጽ ነውሪ ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም ።

ሰላም ምዕባሌ ኢዩ ፡ ምዕባሌ ክአ ሰላም ኢዩ ። ወዲ ሰብ ምድራዊ ሕይወቱ ብሰላም ከሕልፎ ይግባእ እቶም ምእንቲ ሰላም ዝሰርሑ ንሰላም ዝደልዩ ብሐቂ ብጹዓን ኢዮም ክአ ኢሎም።

አብ መወዳእታ ነቶም አብ ቫቲካን ሐዋርያዊ አዳራሽ ዝተረኽቡ አብ ቅድስት መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት አመስጊኖምን ሰላም ኢሎምን ተፋንዮምዋም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.