2012-01-10 13:55:29

ሶሪያ፣ ምስክርነት ኣባ ዳሎሊዮ “ምስቲ ኹሉ ጸገም ኣብ ሶሪያ ምትራፍ ወይ ድማ ካብ ዓመጽ ገዛእ ርእስኻ ንምድሓን ስደት።”


ኣብ ሶሪያ ጸረ ናይቲ ኣብ ሥልጣን ዘሎ መንግሥቲ ዝተባርዔ ናይ ተቓውሞ ምንቕስቓስ ንምዕፋን መንግሥቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉሙምቲ ይቕጽል ከምዘሎ እንክንገር፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት RealAudioMP3 ምንጭታት ሓበረታ መሠረት ሓሙሽተ ሺሕ ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፎም ክፍለጥ እንከሎ፣ ምስ’ቲ ዅሉ ተኸሲቱ ዘሎ ሽግርን ውጥረትን ሕዝቢ ዕለታዊ ናብራኡ ይመርሕ ከምዘሎ እውን እንክፍለጥ፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሶርያ ኣመልኪቶም ኣብ ሶርያ ናይ ምስልምናን ክርስትናን ሃይማኖት ናይ ሓበር ዘተ ዘተባብዕ ናይ ደይር ማር ሙሳል ኣል ሃባኪ ማኅበረሰብ ገዳምውያን መሥራቲ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶርያ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ከይተሓለላ ይጽልያ ከምዘለዋን፣ ኣብ ሶሪያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኢራቕ እውን ዝተራእየን ዝርኤን ዘሎ መንፈሳዊ መደብ ኢዩ። ማኅበረሰብ ክርስትያን ብዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስትያን ምንቅስቓሳት ተሰንዮም ምእንቲ ሰላም ናይ ጸሎትን ዝተፈላለዩ መንፍሳዊ መደባት የካይዱ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም፣ ናይቲ ከባቢ ማኅበረ ክርስትያን ምስቲ ዘሎ ኅልው ኩነት ኣገናዚቡ ናይ መጻኢ ሕይወቱ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ከምዝረኽቦን ስለዚ ድማ መብዛሕቲኦም ከምቲ ቀደም ናይ ውሁዳን ሃይማኖትን እምነትን መሰልን ክብርን ዝገትእ ተፈጢሩ ዝነበረ ብናይ ብዙሃን ሃይማኖት ዝተዓብለለ ማኅበራውን ፖለቲካውን መሥርሕ ከይቐውም ስግኣት ኣለዎም። እዚ ፍርሃት’ዚ ግን ናይቲ ማኅበረ ክርስትያን ወንጌላዊ ሕይወትን ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላምን ዘካይዶ መንፈሳውን ሰብኣውን ጻዕሪ ዘሕይሎ እዩ ኢሎም።
ካብቲ ጽንኩር ኩነት ምምላጥ ዘይኮነስ ኣብቲ ጽንኩር ኩነት ናይ ሰላም መጋበርያ ኰይንካ ምርኻብ ኢዩ ሕይወት ክርስትና ዝምዕድ፣ ድሕነትን ውሕስነትን ሕይወት ስንኩፍ ክኸውን እንከሎ፣ ወፊርካ ዘይምምላስ ከጓንፍ ስለ ዝኽእል እውን ከም ሰብ መጠን ስግኣት ክስመዓካ ሰብኣዊ ኢዩ፣ ስለዚህ ሰራሕተይና ተመሃራይ ክወፍር፣ ኮታ ኩሉ ዕለታዊ ናብራኡ ከካይድ ይጽግሞ ኣሎ።
ኣብቲ ብኣኦም ዝተመሥረተ ማኅበር ገዳማውያን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት ይካየድ ከምዘሎን፣ ንጎሆ ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ሰዓብቲ ተኣዝዞ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ንመንበረ ጴጥሮስን ዘለወን ኣቢያተ ክርስትያን ዘተኣኻኽብ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎትን ኣስተንትኖን መደብ ትምህርተ ክርስቶስን ከምዝከያድን፣ ኣቲ ገዳም ዝተፈላለየ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕን ናይ ሰላም መጋበሪያ ዘተባብዕን ናይ ሰላም መሣርሒ እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ብጠቕላላ ናይቲ ገዳም ሕይወት ኣብ ጸሎትን መሥዋዕተ ቅዳሴን ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ዕዮን ዝምራሕ ዝብል ምዃኑን ብሥነ ፍልጠት ሃብታምን ንኹሉ ክፉት ዝኾነ ቤተ መዝገብ እውን ከምዘለዎ ገሊጾም፣ ኣብታ ሃገር ሰላም ንኽረጋገጽ ዝገብሮ ጻዕሪ ዘይሕለል ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.