2012-01-10 13:49:03

ሲንጋፑር፣ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ንክርስትያናዊ አስተንትኖ


ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ንክርስትያናዊ አስተንትኖ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብን ንምትብባዕ ዝሃቀነ ‘ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን RealAudioMP3 ሃይማኖታትን ኣስተንትኖ’ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝቲ ናይ ሓባር ጉባኤ ካብ ዕለት 7 ጥሪ ክሳብ ዕለት 8 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሲንጋፑር ከምእተኻየደ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ኅትመቱ ሓቢሩ።
ኣገዳስነት ቀጻሊ ኅዳሴ ኣድማስ ሰቂለ ኅሊና፣ ኣስተንትኖን ተመስጦን እምነት ክርስትና ብመንጽር እቲ ኣብ ኩለን ሃይማኖታትን እምነትን ዘሎ ናይ ሓባር ረቛሒ ምግባረ አስተንትኖ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየየ እምነት ንናይ ሓባር ዘተ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ ንምስትንታን ምኽንያት መቀሊ ከምዝኾነ ዝተሰምረሉ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝነበረ፣ እቲ ንናይ ሓባር መንፈሳዊ ከይዲ ሓለፋ ዘለዎ ተባሂሉ ዝልለይ በቶም እነንብረሉ ዘሎና ዘመን ዘቕርቦም ብድሆታት መሠረት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ እምነታት ኣገዳስነት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቀዳሞት ክፍለ ዘመን ገዳማትን ፈለስትን ናይ ክርስትና እምነት መንፈሳዊ ባህልታት ዘነጻጸረ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ የመልክት።
እቲ ኣብ ሲንጋፑር ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ቅዱስ ቤነዲክቶስ መናንያን ማኅበር ኣባል ፈላሲ ጆን ማይን (1926 ዓ.ም. – +1982 ዓ.ም.) ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝድግፍ ምግባረ መንፈሳውነት ፈልዮም ዘለለዩን ነዚ ምግባረ መንፈሳውነት ዝምልከት ካብ ናይ ሓባር ረቛሒ ውርሻ መንፈሳውነት ምልላይ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ክነቕል ከምዘለዎን፣ ነዚ ዝመርሕ እውን ሓዲጎምዎ ዝሓለፉ ጽሑፋቶም ድርሰታቶም ኣስተንትኖታቶም መሠረት ገይሩ ነቲ ዘበግስዎ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ኣብ 1990 ዓ.ም. ዝቖመ “ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ንክርስትያናዊ አስተንትኖ” ዝተሰምየ ማኅበር ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ በነዲክቶሳዊ ፈላሲ ኣባ ላውረንስ ፍሪማን ዝምራሕ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ቀንዲ ማእከሉ ኣብ ሎንደን ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ኣብ ናይ ሓድነትን ናይ ሓባር ዘተን ዕላማ ዝተፈላለዩ ባህላውን መንፈሳውን መደባት ከምዘሳልጥ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ፣ ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ ዓቢይ ምሥጢር ቅዉም ነገር ብጽሞናን ኣስተንትኖን ምንባር ዝብል ብኹለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን እምነታትን ተፈላጥነት ዘለዎን ተቐባልነት እውን ዝወሃቦ፣ ነቲ ናይ ሓባር ዘተን ሓድነትን ጉዕዞ መሠረት እዩ። ነዚ ቅዉም ነገር ኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን እምነታትን ብኸመይ ከምዝግለጽን ከምዝንበርን ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን እምነታትን ሰዓብቲ ሊቃውንቲ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡን ቀጻሊ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ወርሒ ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ‘እምነትን ሥነ ፍጥረትን’ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ክካየድ እቲ ናይ ሲንጋፑር ጉባኤ ከምዝወሰነ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.