2012-01-10 13:59:57

ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ፣ ናይ ሕይወት ባህሊ ክሰፍሕ


ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እቲ ጽንሲ ምንጻል ዝፈቕድ ካብ 1973 ዓ.ም. ጀሚሩ ዘገልግል ዘሎ ሕጊ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝጻረርን ጸረ ሕይወትን ምዃኑ ንምርዳእ ኣሚቱ ካብቲ RealAudioMP3 እዋን እትሒዙ ዝተበገሰ ጽንሲ ምንጻል ዝቃወም ናይ ሕይወት ባህሊ ዘነቓቕሕ ምንቅስቓስ በቢ ዓመቱ ዝካየዶ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘተባብዑ ዓወደ መጽናዕትታትን ሰላማዊ ናይ እግሪ ጉዕዞን ሰልፍን መደብ መሠረት ዕለት 23 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ዓብይ ስለ ናይ ሕይወት ባህሊ ሰላማዊ ሰልፊ ክካይድ ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ። ከምቲ ልሙድ ዕለት 22 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ሥፍራ ብጽእት ድንግል ማርያም ልዕሊ 20 ሺሕ ምእመናን ብዘሳትፍ ናይ ሓባር ጸሎት ዋዜማ ተበጊሱ ናይ ጋልቨስቶንን ሁስቶንን ሊቀ ጳጳስ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዳኒየል ዲ ናርዶ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክቐርብ ምዃኑን ናይ ኔው ዮርክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቲሞትይ ዶላን ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን ንጎሆ ዕለት 23 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ምስ ቀረበ ስዒቡ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝድግፍ ጽንሲ ምንጻል ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ክካይድ ከምዝኾነ እንክንገር፣ ዕለት 21 ን 22 ጥሪ 2012 ዓ.ም.ናይ ሕይወት ባህሊ ዘማእከለ ናይ ውሁድ ቅኒት ሙዚቃ መደብን ዕለት 22 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ጆርጅ ታውን መንበረ ጥበብ ናይ ሕይወት ባህሊ ዛዕባ ዝገበረ ዓወደ መጽናዕቲ እውን ክካይድ ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.