2012-01-05 14:20:29

ናይ ንእስነት ብጻይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ተኸታሊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ንእስነት ዓርክን ብሓባር ኣብ ናይ ሃገሮም ፖላንድ ዝነበረ ጽንኩር ኩነት ዝተኻፈሉን ናይ ዓለም RealAudioMP3 ሓቆፍ ውግእን ሳዕቤናቱን ተመክሮ ዘለዎም ጀርዝይ ክሉገር ዕለት 31 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሜኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ክንገር እንከሎ፣ ነፍሰ ኄር ክሉገር ብሕይወት ኣንከለዉ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ንሶም ናይ ንእስነት ብጻዮም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝነበሮም ርክብን ዕርክነትን ሃይማኖታዊ ፍልልይ ዘይድርቶ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ኩሉ ተፈላልዩን ተገማሚዑን ኣብ ዝነበርሉ እሞ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዓሌትን ወሳኒ ርክባትን ዕርክነትን ኮይኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ክሊቲኣቶም ዕርክነት ኣብ ደቂ ሓደ እግዚኣብሔር ዝብልን ክብሪ ሰብን እማኔ ዝቖመ ከምዝነበረ ገሊጾም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
ዕርክነቶም ኣብ ፖላንድ ናይ ዋዶቪች ቤት ምህርት ዝጀመረን ናይ ሃይማኖትን ባህል ፍልልያት እውን እንተነበሮም ዕርክነቶም ነዚ ዅሉ ውስንነት ዘይምብርከኽን ኣብ ናይ ክሊቲኣም ደቂ ሓደ ኣምላኽ ዝብልን ሓደኣዊ ፖላንዳዊ መንንነትን ዝቖመን ምዃኑ ሓቢሮም እዚ ዓይነት ዕርክነት ንናይ ኣይሁድን ካቶሊክን ሃይማኖትን ርክባት ናይ ሓባር ምልክታ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ገሊጾም ከምዝነበሩ ይዝከር።







All the contents on this site are copyrighted ©.