2012-01-05 14:18:57

ቺዚል ናይ ኢጣሊያ ኪዳን ማኅበር ሠራሕተይናታት


እቲ ኣብ 1948 ዓ.ም. ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ መሠረት ገይሩ ዝቖመ ቺስል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ኢጣሊያ ኪዳናዊ ማኅበር ሠራሕተይናታት ክፍሊ ወጻኢ RealAudioMP3 ርክባት ሓላፊት ቸቺሊያ ብሪጊ ዝመርሖኦ ናይቲ ማኅበር ሠራሕተይናታት ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ምያንማር ምስ ናይ ቢርማኒያ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ መራሒት ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ ክምእተራኸበ ክንገር እንከሎ፣ ቸቺሊያ ብርጊ ድሕሪ እቲ ርክብ ንኢጣሊያ ምስ ተመልሳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ናይ ኢጣሊያ ኪዳናዊ ማኅበር ሠራሕተይናታት ምስ ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ ብዝፈጸሞ ርክብ ቀዳማይ ማኅበር ሠራሕተይናታት ምዃኑ ሓቢረን፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ምኽባር መሰልን ፍቓድን ክብርን ከምኡ እውን ነጻነትን፣ መሰል ምውዳብን ምቛም ማኅበር ሠራሕተይናታትን ዝምልከቱ ዝሓለፈ ሰሙን ናይታ ሃገር መንግሥቲ ዘጽደቖ መሠረታዊ መምርሒ ዘማእከል ዘተ ተኻይዱን እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣገዳሲ ምዃኑ ዘረጋገጸ ርክብ ኢዩ ኔሩ ኢለን።
ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ኅላዌ ማኅበር ሠራሕተይናታት ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ናይ ሠራሕተይናታትን ሥራሕን ጉዳይ ክብሪ ሰብ ዘማእከለ ክኸውንን መሰልን ግቡእን ሠራሕተይናታት ኣብ ምኽባር ሰብኣውነት ዝቖመ ክኸው ከምዘለዎ እውን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ ከምዘሥመራሉ ሓቢረን፣ ኣብ ቢርማኒያ ብሕቡእ ዝቖሙ ማኅበር ሠራሕተይናታት ኣለዉ፣ እቲ ኣብታ ሃገር ብሕቡእ ቆይሞም ዘለዉ ማኅበር ሠራሕተይናታት ብናይታ ሃገር መንግሥቲ ‘ጉጅለ ኣሸበርቲ’ ተባሂሎም ዝግለጽ ብምዃኖም ድማ ናይተን ማኅበር ሠራሕተይናታት ሓለፍትን ዋና ጸሓፍትን ናብ ስደት ከምርሑ ገይሩ ኢዩ። እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ኣብ ሃገሮም ክምለሱን ኣብ ሃገሮም ከገልግሉ መታን ዓለም ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መሰሎምን ውሕስነት ሕይወቶም ከረጋገጸሎም ይግባእ።
ናይታ ሃገር ዓቕሚ ቁጠባን ኤኮኖምን ብዝለዓለ ደረጃ ንናይ ወተሃደራዊ መዓላ ዝፈስስ ብምዃኑ እዚ ዓይነት ኣሠራርሓ ተወጊዱ ንምዕባለ እታ ሃገር ከቕንዕ ከምዘለዎ እቲ ማኅበር ሠራሕተይናታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ዘቕርቦ ጻውዒት ምዃኑ ብርጊ ገሊጸን፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዝተፈላለዩ ማኅበራት ዓለም ሓቆፍ ብዛዕባ ምያንማር ዘሎ እዋናዊ ሰብኣውን ማኅበራውን ኤኮንምያውን ፖለቲካውን ጉዳይ ብቐረባ ክርድኡ ክኽእሉ ኣለዎም፣ ተነጺልካ ምንባር ጸበባን መከራን ኢዩ ዘስፍሕ ከምዝበላ ብርጊ ሓቢረን ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ዛዚመን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ሃገር እቶም ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም እሱራት እቲ ዝተበየኖም ናይ ሞት ብይን ንሕልፈት ብዝብል ውሳኔ ከምእተተከኣሎም ክንገር ኣንከሎ፣ ናይ ዓለም ሓቆፍ ተዓዘብቲ እቲ ናይ ምያንማር መንግሥቲ ውሳኔ ካብታ ሃገር ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ናይ ሞት ብይን ዝፈቅድ ዓንቀጽ ዝሓክኽ ውሳኔ ከምዝመስል እንክሕብሩ፣ ኣብ ምያንማር ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰፊሕ ከምእተተግበረን እቲ ናይ ርእሰ ብሔር ታይን ሳይን ውሳኔ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ካብ ዓለም ናይ ሞት መቕጻዕት ክውገድ ሓቂኑ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ዘሳልጦ ጎስጓስ ንናይ ክፍሊ ዓለም እስያ ኣወሃሃዲ ስተፋኖ ኣርጀንቲኖ ብዛዕና እዚ ናይ ምያንማር መንግሥቲ ውሳኔ ኣማእኪሎም እቲ ውሳኔ ናይ ሕይወት መሰልን ክብርን ዘረጋገጽ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘኽብር ምዃን ገሊጾም። ናይታ ሃገር ፖሊቲካዊ ከይዲ ርኢኻ ካብ ናይ ምያንማር ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ፣ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝፈቕድ ዓንቀጽ ክሕከኽ ኢዩ ቢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ ኔሩ። እቲ ውሳኔ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብርን ንምኽባር ንዝግበር ጻዕሪ መሠረት እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.