2012-01-05 16:44:41

ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ወትሩ ዕለተ ረቡዕ ንምዕመናን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክዝከር ከሎ ፡ ትማሊ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሳዱሻይ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም።

አብቲ ትማሊ በኵሪ ሐዲሽ ዓመተ ምሕረት 2012 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ልደተ እግዚእነ ወመድኀኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተኮረ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ከሎ ቤተ ክርስትያን መብራህቲ አይኰነትን ፣ እንታይድአ ካብ ክርስቶስ መብራህቲ ተቀቢላ ንዓለም ተብርህ ድአምበር ኢሎም ።

አተሐሒዞም ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ልደተ ክርስቶስን ሐጎስን ንዓለም ተብጽሕ ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ ታሪኻዊ ልደተ ክርስቶስ መድኅን ዓለም አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየስሩሳሌምን ግልጸተ እግዚአብሔር ወዲ ሰብ ፍጡር እግዚአብሔር ከም ዝኾነን የተሐሳስበና ኢሎም።

እምብአከስ ልደተ ክርስቶስ ሐጎስ ሰላም ቅሳነት ከም ዝኾነ እግዚአብሔር ንሰብ ካብ ኩሉ ክፋእ ነገር አድሒኑ ብትሕትና ሕይወት ዝሀቦ ንሰብ ተንኪፉ ብዓይኑ ዝርአዮ ንዕኡ ዝመሰለ ምእንትኡ ኢሉ መለኮታዊ እንከሎ ሰብ ዝኾነ ሐያል ከሎ ድኹም ዝመሰለ ኢዩ”ሞ በዚ ክንሕጎስን ክንውድሶን ክነምልኾን ይግብአና ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ።

ጠኦሎግያን መንፈሳውነትን ልደተ ክርስቶስ ልውውጥ መለኮታውነትን ሰብአውነትን ከም ዝኾነ የመልክተልና ክአ ኢሎም ።

ልደተ ክርስቶስ ጥልቃዊ ክብሪ ወዲ ሰብን ሰብአውነቱን ዘግሀደ ወዲ ሰብ ወዲ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ዘረጋገጸ ፍጻሜ ከም ዝኾነ ክአ አዘኻኺሮም

ነቢይ ኢሳያስ ተንስእ እሞ ብርሃን ተኸደን ዝበሎ ንኹሉ ፍጥረት ሰብን ንቤተ ክርስትያንን ዝምልከት ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም ።

ቅዱስ ወንጌል ብእግዚአብሔር ዝተዋህበ ህያበ ብርሀን ከም ዝኾነ ጠቂሰም ክአ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ ብርሃን ተቀቢላን ተኸዲናን ንዓለም እትህቦ ብርሃን ድሕነት ብርሀነ ሰላም ብርሀን ቅድስና ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ህዝበ እግዚአብሔር ክአ ነዚ ብክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን ዝተዋህበ መብራህቲ ተቀቢሎም መንፈሳዊ ሞራላዊ ሰላማዊ መብራህቲ”ዚ ንምሉእ ዓለም ዝክርግሑ ህልውና ፈጠሪ ኩሉ ዓለም እግዚአብሔር

ከረጋግጹ ከም ዝግባእ ነቶም አብ አዳራሽ ፓውሎስ ሻዱሳይ ሆጭ ኢሎም ትምህርቶም ዝከታተሉ ዝነበሩ ምእመናን ገሊጾምሎም።

ነቲ ጽባሕ ብሥርዕተ ተዘኪሩ ዝውዕል ጥምቅት እግዚእነ ዘኪሮም ክአ ሰብአ ሰገል ንኢየሱስ ሕፃን ዘርአይዎ ክብርን ሐጎስን ዘኪሮም።

እዚ ክብረ በዓል”ዚ ሐጎስን ብርሃንን ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም።

አብ መወዳእታ ክአ ንምእመናን ብሩኽ ሐዲሽ ዓመት ዓመተ ሰላም ዓመተ ራህዋ ዓመተቅሳነት ዓመተምዕባሌ ክኸውን ተመንዮምን ሐዋርያዊ ቡራኼ ኢቦምን ተፋንዮሞም ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.