2012-01-03 14:26:57

ውጥረት ኢራንን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን


ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2012 ዓ.ም. ቀዳሞት መዓልታት ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ብቓላታ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ዝተሰነየ ውጥረት ይርኤ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ትማሊ ንጎሆ ኢራን ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ወተሃደራዊ ልምምድ ተሳልጥ ኣብ ዘላትሉ እዋን ንፈለማ ጊዜ ካብ መሬት RealAudioMP3 ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ክሳብ 200 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ንዘሎ ዕላማ እዚ ድማ ንእስራኤልን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሠፈር ክጭምት ዝኽእል ተባሂሉ ዝንገረሉ ክሩስ ሚሳይል ክልተ ሳዕ ከምዝፈተነት መንግሥቲ ኢራን ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ዘሎ ውጥረት ከምዘኽረሮ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ከባቢ ወሽመጥ ፋርስ ሓይሊ ምክልኻል ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝጀመረ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይድ ከምዘሎ እንክንገር፣ ብዛዕባ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ብግብሪ ዝተሰነየ ውጥረት ኣመልኪቶም ኢራንያዊ ጋዜጠይና ኣህማድ ራፋት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ናይ ኢራን ናይ ክሩስ ሚሳይል ሙከራ ነቲ ዕለት 20 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ናይ ምዕራብ ሃገራት ዋዕላ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ሃብቲ ነዳዲ ማዕቅብ ውሳኔ ዝብል ሓሳብ ክረጋገጽ ከምዝኽእል ንዝሃቦ ምልክታ ግብረ መልሲ ኢዩ ዝመስል፣ ስለዚህ ናይ ገለ ገለ ዓረብ ሃገራት ደገፍ ዘለዎ ናይ ኢራን ፖለቲካዊ ግብረ መልሲ ኢዩ።
ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ኣብ ልዕሊ ናይ ኢራን ማእከላይ ባንኪ ቤት ናይ ቁጠባዊ ማዕቅብ ክግበር ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣብ ናይ ኢራን ኤኮኖሚ ዓቢ ጸቕጢ ከስዕብ ከምዝኽእል ዝተረጋገጸ ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብ ዝሐለፉ መዓልታት ናይ ኢራን ንግድ ገንዘብ ዶላር ኣብ ምዕዳግ ኢዩ ተወሲ ዝተረፈ፣ ኢራን ንበይና ዋጋ ነዳዲ ክንህር ናይ ምግባር ብሕታዊ ዓቕሚ የብላን፣ ኣብ ምርምር ኑክሊየር ኢራን ብተደጋጋሚ ዝተጨበጡ ተበጽሖታት እናበለት እትፍንዎ ሓበሬታ እንተድኣ ሓቂ ኮይኑ ንእስራኤል ወይ ከኣ ንምዕራብ ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ኤሚራት ዓረብን ክወይትን ንሓደጋ ዘቃልዕ ኢዩ። ኣዚ ድማ ዓለም ሓቆፍ ተቖጻጻሪ ሃይሊ ጸዓት ኣቶም ከጻርዮ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። እንተድኣ ተረጋገጺ ግን ጸረ ኢራን ዝሃቀነ ወተሃድራዊ ምጥቃዕቲ ከለዓዕል ከምዝኽእል ሓቢሮም፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኢራን ኣብ ናይ ዘተ መድረኽ ክትምለስ ሜላዊ ርክባት ፖሊቲካ ጸቕጢ ከተበራትዕ ከምእትኽል ገሊጾም፣ ስለዚህ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኢራንን ብሓፈሻኡ ምዕራብ ሃገራትን ናይ ሞንጎይና ተራ ክጻወት ተኽእሎ ኣለዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ካልእ ዝተረፈ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ዘተሓሳስብ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ዛዘሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.