2012-01-03 14:28:56

ብራዚል፦ ትሕቲ ዕድመ ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ዓለም


ኣብ ብራዚል ካብ 10 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሜኦም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ሥራሕ ዓለም ተዳጒይኖም ከምዝርከቡ ናይ ብራዚል ናይ መልክዓ ምድርን ጭብጥታትን RealAudioMP3 ብኣኃዝ ዘቕርብ ተቛም ሥነ ሕዝቢ ዝሃቦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
መንግሥቲ ብራዚል ትሕቲ ዕድመ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣብ ሥራሕ ዓለም ምውፋር ክውገድ ብዘበገሶ ጎስጓስን ብዘተሓላልፎ ውሳኔ መሠረት፣ ናይ ሕፃናት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብርን ምጥሓስ ክጎድል ከምዝገበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እቲ መጽናዕቲ ናይ ብራዚል ናይ ሥነ ሕዝቢ ተቛም ዘውጽኦ ሰነድ ኣደግፊ እንከመልክት፣ ዕለታዊ ናብራኦም ንኽመርሑ ኣብ ሥራሕ ዓለም ክኣትዉ ዝተገደዱ ብዝሒ ሕፃናት ኣብ 2000 ዓ.ም. 6.6 ሚእታዊ ከምዝነበርን ኣብ 2010 ዓ.ም. ናብ 6.2 ሚእታዊ ከምዝወረደ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ ብራዚል ከባቢ ኣማዞን ዝርከቡ ሕፃናት ሠራሕተይናታት ካብ ብዝሒ ናይቲ ከባቢ ዘራሕተይና ሕዝቢ ብጠቕላላ 10 ሚእታዊ ዝሽፍን ከምዝኾነ እውን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
መንግሥቲ ብራዚል ትሕቲ ዕድመ ኣብ ሥራሕ ዓለም ምውፋር ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ጠሪሹ ክውገድ ዝብል ዝሓንጸጾ መደብ፣ ኣብ ከባቢ ገጠራት ብራዚል ሕፃናት ኣብ ሥራሕ ክዋፈሩ ዝድርኽ ባህሊ ግምት ክህበሉ ስለ ዝግባእ እቲ ቃልሲ ብሕጊ ዝተመርሔ ጥራሕ ዘይኮነስ ባህላዊ ቃልሲ እውን ክስዕቦ ከምዘለዉ ኢዩ ዝምልከት።







All the contents on this site are copyrighted ©.