2012-01-03 16:35:58

ቆፒስ ቆጶሳት መክሲኮን ኩባን መደብ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወግዓዊ ጌሮም ፡


ቆጲስ ቆጶሳት መክሲኮን ኩባን ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወግዓዊ ከም ዝገበሩ ካብ ከተማ መክሲኮን ካብ ሃቫናን ዝመጹ ዜናታት ሐበሬታ ሂቦም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝመጻእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ካብ ዕለት 23 ክሳዕ 28 አብ መክሲኮን አብ ኩባ ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ዝዝከር ኢዩ ።

እዚ በነዲክቶስ መበል 16 አብ መክሲኮን አብ ኩባን ከካይድዎ መዲቦምዎ ዘለዉ ሐዋርያ ዑደት መበል 23 ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

በቲ መርሀ ሐዋርያዊ ዑደት መሠረት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዕለተ ዓርቢ 23 መጋቢት ንግሆ ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ነቂሎም

ድሕሪ ቀትሪ ሰሜናዊ መክሲኮ ጓናክዋቶ ከተማ ለኦን ክበጽሑ ኢዮም።

ናይ መክሲኮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕሎዎት ሐለፍትን መራሕ መንግስቲ መክሲኮ ፕረሲደንት ፈሊፐ ካልደሮንን ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናትን ከም ዝቅበልዎም መርሀ ዑደት በነዲክቶስ አመልኪቱ

በቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መርሀ ሐውርያዊ ዑደት መክሲኮን ኩባን መሠረት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ከተማ ለኦን ናብቲ አብታ ሀገር ክሳዕ ዝጸንሑ ዝዓረፍሉ መካን ናብ ኮለጅ ሚራ ፊዮረስ ክጓዓዙ ኢዮም።

ንጽባሒቱ ቀዳም ናይ ክብሪ ምብጻሕ ከገብሩ ናብቲ ፕረሲደን ፈሊፐ ካልደሮን ዝርከብሉ መካን ከም ዝጓዓዙ ክኸዱን ክምለሱን ከለዉ አብ ፕላጻ ደ ላ ፓዝ ንዝጽበይዎም መክሲካውያን ሕጻናት ከም ዝባርኹ ይምልከት ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሰንበት 25 መጋቢት ንግሆ ብናይ መክሲኮን ልዑካን ጳጳሳት ላቲን አመሪካን ካራይብን ተሰንዮም አብቲ ናይ ከተማ ለኦን ዓቢ ፓርክ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉ መርሀ ሐዋርያዊ ዑደት መክሲኮ ኩባን ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ብ26 መጋቢት ናይ መክሲኮ ሐዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም ንግሆ ብተመሳሳሊ አብ ኩባ ሐዋርያዊ ዑደት ከከይዱ ንሃቫና ከም ዝነቅሉ ይምልከት ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሳንትያጎ ደ ኩባ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ምስ አተዉ ናይ ኩባ ቤተ ክህነት ላዕሎዎት ሰበስልጣናትን ናይታ ሀገር መራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት ራውል ካስትሮ ናይ መንግስቲ ወኪላትን ከም ዝቅበልዎም እዚ አብ ቫቲካን ዝወጸ መርሀ ሐዋርያዊ ዑደት ኩባ አገንዚቡ ።

ብድሕሪኡ ናብ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ከም ዝጓዓዙን ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቲ ድሕሪ ቀትሪ አብቲ አብ ቅርዓት አንቶንዮ ማቸኦ ብናይ ኩባ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮም ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዝመርሑ ተገሊጹ።

ብ27 መጋቢት ንግሆ ብብሕቲ ገደመ ቅድስቲ ድንግልማርያም

ደል ኮብረ ከም ዝበጽሑን አብኡ ከም ዝጽልዩ ክአ ተነጊሩ ።

ድሕሪ ጸሎትን አስተንትኖን አብ ገዳም ቅድስቲ ድንግልማርያም ደል ኮብረ ካብ ሳንትያጎ ደ ኩባ ንርእሰ ከተማ ብነፋሪት ንርእሰ ከተማ ሃቫና ከም ዝኸዱ ክአ ይምልከት።

አብ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ሃቫና ብናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ብብጹዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ አላሚኖ ዝተመርሑ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ከም ዝቅበልዎም እቲ መርሀ ሐውርያዊ ዑደቶም አፍሊጡ ።

ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ቤተ መንግስቲ ኩባ ከም ዘምርሑን ምስ መራሕ መንግስቲ ኩባ ምስ ፕረሲደንት ራውል ካስትሮን ወግዓዊ ርክብ ከም ዘካይዱን ምስኦም ተራኺቦም ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝለዋወጡን ክአ ተተሐሒዙ ተገሊጹ ።



ብ28 መጋቢት አብቲ አብ ርእሰ ከተማ ሃቫና ዝርከብ ቅርዓት ኾሰ ማርቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉን ከም ዝመርሑን ክምልከት ከሎ ድሕሪ ፍጻሜ ቅዳሴ ምስ ሰበስልጣናት ቤተ ክህነትን መንግስትን ተፋንዮም ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝምለሱ መርሀ ዑደቶም መክሲኮን ኩባን አነጺሩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ናይ መንግስቲ ጣልያን ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዮ ሞንቲ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ምስ ስድርኦም አብ ቫቲካን ብሕታዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ምንጪ ዜና ቫቲካን ሐበሬታ ሂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዮ ሞንቲ ቫቲካን ኣአብ ዝበጽሕሉ ግዜ ምኽትል ምምሕዳር ቫቲካን ምምሕዳር ቫቲካን ብፁዕ አቡነ በርተሎን ምኽትሎም ብፁዕ አቡነ ሻካን ከም ዝተቀበልዎም ተፈሊጡ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ማርዮ ሞንቲ መቀብር ብጹዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንልደተ ክርስቶስ ዝተተኽለ ኦመ ልደትን ከም ዝበጽሑ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.