2012-01-03 14:25:34

መንእሰይ ኣንጻር እቲ ክሓድርን ተመሳሲልካ ምንባርን ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ልሙድን ቅቡልን ዝኾነ ባህሊ ክቐውም ምሕናጽ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት ሓደ ጥሪ 2012 ዓ.ም. መንእሰያት ንፍትሕን ሰላምን ምሕናጽ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ዘመሓላለፍዎ ኵላዊ ናይ ሰላም መልእኽቲ መሠረት፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉዋድ ጥዋል ዕለት ሓደ ጥሪ 2012 ዓ.ም. መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከስት፣ መንእሰይ ኣንጻር እቲ ክሓድርን ተመሳሲለን ክንበር ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ልሙድን ቅቡልን ኣናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ባህሊ ክቐውምን ሕይወቱ ብመሠረት ሓቂ ክመርሕ ከምዘተሓሳሰቡ እንክንገር፣ ብፁዕነቶም ድሕሪ እቲ ዘዕረገዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ብሓቂ ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ ብምዃኑ፣ ብትኽክል ንማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት ኢዩ። ስለዚህ መንእሰይ ንፍትሕን ሰላምን ምሕናጽ ማለት እቲ ቅቡልን RealAudioMP3 ልሙድን ዝኾነ ክሓድር ዝብል ኣብ ሓቂ ዘይጸንዔ ባህሊ ኣንጻሩ ክጎዓዝ ዘተሓሳብ ኢዩ ኢሎም፣ እዚ ኣብ ሓቂ ጽናዕ ዝብል ጉዕዞ በቲ ዘሎ ናይ ዓመጽ ባህሊ ኣዚዩ ዝኸበደ ጉዕዞ ኮይኑ ኣሎ። ኣንጻር እቲ ክሓድር ኣብ ዝብል ተመሳሲልካ ምንባር ዝቖመ ባህሊ ምጉዓዝ ማለት ብተስፋ ዝተመርሔ ሕይወት ምንባር ማለት እውን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ክንትግብሮ ኣሎና። ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ኣብቲ መዕለቢ ዘይረኸበ ዓምጽ ዘለሉ እዋንን ብእስራኤል ኣብ ዝተተሓዙ ናይ ፍልስጥኤም ከባቢ ዝተወልዱ፣ ኩነት ሰላም ዘየስተማቐሩ ኣብ እየሩሳሌም ዘለዉ ቅዱሳት ሥፍራ ፈጺሞም ዘይበጽሑ መንሰያት ብዙሓት ኢያቶም እንክብሉò ጽንኩር ኩነት ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዘርዚሮም፣ ኣብ ጽንኩር ኩነት እውን ይኹን መንእሰያት ኣብ ሰላምን ፍትሕን ምሕናጽ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ።
ናይ ሓባር ጥቅሚ ኣብ ምርግጋጽ ከይዲ መንእሰይ ክሕነጽ ከምዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ መተሓሳሰቢ፣ ናይ ኵሉ ሓላፍነት ኢዩ፣ ጽድያ ዓረብ ሃገራት ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ መንእሰያት ዘበገስዎ ሓታቲ ለውጥን ሕዳሴን ሕዝባዊ ምንቅስቃስ ፖለቲካዊ ሰልፊ መልክዕ ዘይብሉ፣ ፍትሕን ክብርን ሥራሕን ናይ ኅሊና ብጠቕላላ ክቡር ነጻነት ክረጋገጽ ዝሓትት ኢዩ።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ጽምጺ ልክዕ ከምቲ ናይ መጥመቕ ዮሓንስ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ እንኮ ድምጺ ከምዝኾነን፣ ቤተ ክርስትያን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓቢራ እዚ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምጺ ተቓልሕ ኣላ። እዚ ዝተጀመረ 2012 ዓመት ብሓቂ ብኹሉ መዳይ፣ ብዴሞክራስን ነጻነትን ፍትሕን ዝተኾልዔ ሓድሽ ዓመት ክኸውን እዩ ተስፋና ምስ በሉ፣ ሎሚ ነቲ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤም ግጭት መዕለቢ ክርከቦ ዝጽዕር ኣብ ዮርዳኖስ ዝካይድ ርክብ ልኡኻት እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሓባር ጥቅሚ መሠረት ዝገበረ ውጽኢት ክህልዎ ክንጽሊ ይግብኣና እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.