2011-12-29 14:16:56

ኣባ ሎምባርዲ፦ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ 2011 ዓ.ም.
“2011 ዓ.ም. ጽዑቕን ህዱእን ንቕድሚት ክንጥምት ዝድርኹና ዓበይቲ መልእኽታት ዘመሓላለፍሉ ዓመት ኢዩ”።


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፍን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ 2011 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ገምጋም ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንክሕብሩ፣ ብሓፈሻኡ ዝፈጸመዎም RealAudioMP3 ሓውጾተ ኖልዎን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ንቅድሚት ክንጥምት ዘብቅዑና ዘመሓላለፍዎ ሥልጣናዊ መልእኽትታትን ኣስተምህሮታትን መሠረት ገይሮም፣ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ኣብ 2011 ዓ.ም. መፋርቕ ኣብ ጀርመንን ስፐይንን ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘኪሮም፣ እቲ ኣብ ጀርመን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ምዝራብ ዝብል መልእኽቲ ዘምርሔን ቀዳምነተ ንእግዚኣብሔር ኣብ ኅብረተሰብን እቲ ኣብ ጀርመንን ብሓፈሻኡ ኣብ ኤውሮጳን ካልኦት ክፍሊ ዓለምን ዝርኤ ዘሎ እግዚኣብሔር ዝጋርድ ዓለማውነት ወይ ድማ ምድራውነት ዘማእከል ዝሰፍሕ ዘሎ ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ናበይ ገጹ ዝመርሕ ምዃኑ ኣዕሚዩቖም ብምትንታን፣ ኣብ ናይ ጀርመን ሕዝባዊ ባይቶ ዘስምዕዎ ዘረባ እግዚኣብሔር ጽኑዕ መሠረትን ንናይ ሓባራዊ ናብራን ሓልዮ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መወከሲ ከምዝኾነን ብዘይ እግዚኣብሔር ኵሉ ባዶ ኮይኑ ከምዝተርፍ ከምዝተተኑን፣ ኣብ ስፐይን ዝተኻየደ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኅያውንት እምነትን ብሩህ መጻኢ ሕይወትን ዘነጽር ተስፋ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮን RealAudioMP3 ስብከትን ኣቶም ቀንዲ ዝጥቐሱ ምዃኖም ሓቢሮም፣ ብምኽንያት በዓለ ልደትን ምዝዛም ዓመትን ንናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ቫቲካን ዓበይቲ ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ተቐቢሎም ዘስምዕዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮን፣ ክርስትያን ምዃን መሠረታዊ ትርጉሙ ዝሓበሩን ኣብዚ ምድራውነት ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ክማርኽ ዝኽእል ሕይወት ክርስትና መሠረታዊ ክፍሊ ኣስፍሆተ ወንጌል ምዃኑ የነጽሩ።
ኣብ ቤኒን ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ነቲ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ካልኣይ ሲኖሶስ ሰነድ መሠረት፣ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘተኮረ “ኣፍሪካ ሙኑስ-ናይ ኣፍሪቃ መብጽዓ” እተሰምየ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንምልጋስ ኣሚቱ እውን ዝተኻየደ ከምዝነበረን፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣፍሪቃ ዝተገበረሎም ውዑዕን ድሙቕን ኣቀባብላ ከምዘደነቖምን ኣፍሪቃ ዝተፈላለዩ ሽግራት ዝራአየላ ክፍሊ ዓለም ክነሳ እቲ እትገልጾ ሓጎስ ከምዘቓልሑን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካብ ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ እትዛረብ ዘይኮነስ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃ ክምእትዛረብ ዘረጋገጸን ናይ ኣፍሪቃ ብሩህ መጻእን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዘላ ቤተ ክርስትያን መጻእን ኣገልግሎታ ንክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ዘነጸረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኢዩ ኔሩ ኢሎም።
ደሓር እውን እቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ናይ ዝተፈላለያ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት “ኩለን ሃይማኖታት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ በመል 25 ዝኽሪ ዓመት መሠረት ለብዘበን ዕለት 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ቀጻልነቱ ብምርግጋጽ ንመላእ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መንፈሳዊ መራሕትን ከምኡ እውን እቲ ናይ ለምዘበን ፍልይ ዘብሎ እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ሓቂ ናይ ምድላይ ባህሪኡ ዓቢ ግምት ብምሃብ ቅዱስነቶም ናብቲ ጉባኤ ጸሎትን ዘተን ናይ ባህሊ ኣካላትን ሊቃውንትን ኢኣማንያን ክሳተፉ ዘቕረብዎ ዕድመ ክኸውን እንከሎ፣ “ደጊም ዓመጽን ውግእን ግብረ ሽበራን ፈጺሙ ከይህሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ሰላምን ፍትሕን ከቕርብ” ዝዕድም ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣማንነትን ኢኣማንነትን ብዘየገድስ ወዲ ሰብ ሓቂ ከናድይ እውን ዝተጸውዔ ምዃኑን ከምዘዘኻከሩን፣ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና መሠረታዊ ሓሳብ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ‘ደንበ አህዛብ’ ብዝብል ስም ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ኣማንያንን ኢኣማንያን ናይ ሓባር ዘተ መርሕ ገይሩ ይቕጽለሉ ከምዘሎ ኣውን ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ ኣብ ቤኒን ንናይታ ሃገር ዓበይቲ ሰበ ሥልጣንን ላዕለዎት ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣብ ጀርመን ንናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳዊ መራሕትን ተራኺቦም ቀዳምነት እግዚኣብሔርን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ መሠረት ሰላም ምዃኑ ኣነጺሮም ኢዮም።
ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝደረስዎን ዘቕረብዎን ሰነዳት መሠረት ገይሮም ኣባ ሎምባርዲ ቀጺሎም ይብሉ፣ ቅዱስነቶም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነቶም መሠረት ብፍሉይ መሰል ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን መራሕነቶም “ፖርታ ፊደይ - ኣፍደገ እምነት” (ግብሪ ሓዋ. ምዕ 14፣ 27) ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ብዝደረስዋ ሰነድ መሠረት ካብ ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዝጅምር ናይ እምነት ዓመት ከምዝኣወጁን ኣዚ ድማ ነቲ ቅዱስነቶም ብዙሕ ጊዜ ዝገልጽዎ ኣገዳሲ ዳግማይን ሓድሽን ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕን ዝመጽእ ዘሎ ዓመት እውን ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ዘተኮረ ናይ መላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ክካይድ ከምዝወሰኑን፣ ናይ ካቶሊክ ዓነቀጸ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ነቲ ቅዱስ ኣቦና ንናይ እምነት ዓመት ንምእዋጅ ዝደረሰዎ ሰነድ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣተረጓጉማኡ ዝመርሕ ሰነድ እውን ከቕርብ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ ቀረባ ኣዋን ኣውን ንናይ ላቲን ኣመሪካ ሃገራት መበል 200 ዓመት ነጻነት ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ናብ ኩባን መክሲኮን እውን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝኾኑን፣ ኣስዒቦም ሓዋርያዊ መንበር ግብረ ሠናይን ምትሕብባርን ነቲ ዝሥዋዕ ፍቕሪ መሠረት ዝገበረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ረቢብያ ቤተ ማእሰርቲ ምስ መላእ እሱራትን ተራኺቦም መሪሕ ቃል ሂቦምን ንዓበይትን ንኣሽቱን ኅሙማን እውን ከምዝበጽሑን ምስቶም ኣብ ህዋ ምርምር ዘካይዱ ናይ ሥነ ህዋን ከዋኽብትን ተመራመርቲ ብድምጸ ርእየት ዝፈጸመዎ ርክብ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሥነ ምርምር ዘለዋ ግደ ዓቢይ ምዃኑ ዝመስከረ ኢዩ ኢሎም።
ንድሕሪት ምልስ ቢሎም እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት ሓደ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና መሠረት ዝተኣወጀ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ በዚ ውሳኔ መሠረት ዘቕረብዎ ኣስተምህሮታትን ኣስዒቦም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ብምዃኖም ድማ ኣብ ዕለተ ረቡዕን ከምኡ ኣውን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ዘቕርብዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮታትን ኢየሱስ ናዝራዊ ዝብላ ተኽታተልቲ መጽሓፎምን ኣባ ሎምባርዲ ዘኪሮም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለምን ዝተፈላለያ ሃገራትን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኽአለ ከባብያዊ ኩነት ዘለዋ እውን ኣንተኾነ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኩላውነት ዘነጽር እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ዘቕርብዎ ሥልጣናዊ ትምህርትን ድርሰታቶምን ኩላውነት ባህርይ ዘነጽር እዩ ምስ በሉ 2011 ዓ.ም. ጽዑቕን ህዱእን ንቕድሚት ክንጥምት ዝድርኹና ዓበይቲ መልእኽታት ዘመሓላለፍሉ ዓመት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ዛዘሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.