2011-12-27 16:36:20

ሐደራን ለበዋን ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ድህረ መጥቃዕቲ ክርስትያን ናይጀርያ ፡


ትማሊ ዕለት ታሕሳስ 26 2011 ብሥርዓተ አምልኾ ላቲን ድሕሪ ልደት ዝውዕል ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እስቲፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነ ይዝከር።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ምስ ሐምሳ ሺሕ ምእመናን ብሓባር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ደጊሞም ።

ድሕሪ መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ክአ ብዛዕባት”ቲ አብ ምዕራባዊ አፍሪቃ አብ ናይጀርያ አብ ሎሊ ሰለስተ አብያተ ክርስትያናት ብአኽረርቲ ምስልና ዝተፈጸመ እኩይ መጥቃዕቲን አብ ልዕሊ ሕይወት ዘውረዶ ሞትን መቁሰልትን ዘኪሮም ፡

ብግዜ ልደት ግዜ ሐጎስን ተድላን ቅሳነትን ሰላምን ክኸውን ዝግብኦ ሞትን መቁሰልትን ምክሳቱ አዝዩ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም።

አብ ልዕሊ ህዝበ ክርስትያን አብ ቤተ ጸሎትን ስግደትን ዝወረደ መቅዘፍቲ ሕይወት ደቂ ሰባት ከም ዘሕዘኖም ደጊሞም ዝገለጹ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እዚ አብ ናይጀርያ አብ ልዕሊ ክርስትያን ዝተፈጸመ ዓመጽ ክግታእ ተላብዮም።

መንገዲ ዕርቂ ራህዋን ቅሳነትን ሰላም ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ እዚ ዕለተ ቅዱስ ዮሐንስ ቀዳሜ ሰማዕት ቤተ ክርስትያን ፡ ክርስትያን ወትሩ ሕይወቶም ምእንቲ እምነቶም ከም ዘሕልፉ ከም ዘረድአናን ዘዘኻኽረናን ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ዓመጽን መጥቃዕትን ተአጊዱ አብዛ ዓለም”ዚአ ፍትሕን ሰላም ክወርድ ከሄሉ ኩሉ እግዚአብሔር ምሕረቱ ከውርደልና ንለምኖ ሰብ ሐይሊ የብሉን ኢሎም።

ዓለምና ደም ንጹሐት ሰባት ክፈሳ ሰብ ሰላምን ፍትሕን ተሐሪምዎ ክሳቀ ትርኤ ከም ዘላን እዚ አዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ብምኽንያት በዓለ ዓውደ ዓመት ቅዱስ እስቲፋኖስ ሰማዕት አብ ቅርዒኣት ቅዱስ ጰጥሮስ ምስ ምእመናን ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት አብ ዝደገምሉን ርሑስ ልደተ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ምእመናን አብ ዝተለዋወጥሉን ግዜ አገንዚቦም።

ካቶሊካውያን ናይ ጀርያ ዝሐለፈ ዓመት ብግዜ ልደት ሕይወቶም ከም ዝስአኑን ከም ዝቁሰሉን ዘኪሮም እንደገና ብግዜ ክቡር በዓል ልደት ከምዚ ዓይነት ክፉእ ተግባር ምፍጻሙ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ክአ ገሊጾም።

ነቶም አብ ቤተ ክርስትያን ልደተ ክርስቶስ አብ ዘብዕልሉ ግዜ ብአኽረርቲ ብዝወርዶም መጥቃዕቲ ሕይወቶም ዝስአኑ ሰባት ከም ዝጽልዩ ንቤተ ሰቦም ክአ እግዚአብሔር ጽንዓት ክህቦም ከም ዝልምኑ ክአ አመልኪቶም።

በቲ ዝሐለፈ ቀዳም አብ ማእከላይ ሰሜናውን ምዕራባውን ናይጀርያ ብአኽረርቲ ምስልምና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ አርብዓ ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑን ብዙሐት ከም ዝቁሰሉን ተፈሊጡ አሎ ።

ህውከትን ግጭትን ትርፉ ስቃይን ሐዘንን ሞትን ብርሰትን ጥራሕ ከምዝኾነ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 እዚ ናዕብን ህውከትን”ዚ ብዝቀለጠፈ ግዜ ክገትኡ ክአ ንመንግስቲ ናይጀርያን ንሀገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብን ሐደራ ኢሎም ።

ህዝበ ክርስትያን ናይ ምስጢራውን ግሁድን ሰማዕታት ከም ዝኾኑ አመልኪቶም ክአ ንሳቶም አሰር መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸተልቲ ከም ዝኾኑ አመልኪቶም።

ከም ጥንቲ አብዚ ግዜ”ዚ አብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ክርስትያን ይሳደዱ ከም ዘለዉ ዘኪሮም ክአ ንእምነትካ ሕይወትካ ክተወፊ ትግደደሉ ግዜ ከም ዝኾነ ዘኪሮም።

ቅዱስ እስጢፋኖስ ሰማዕት ብእምኒ ተወጊሩ ሕይወቱ ብሰማዕትነት አብ ዝሐለፈሉ ግዜ ክርስቶስ መንፈሰይ ተቀበሎ እንሆ ኢየሱስ ነቶም ብዳርባ እምኒ ዝቅተልዎ ክምሕሮም ተማሕጺኑ ኢዩ ሕይወቱ ዝሐለፈ ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ።

አብያተ ክርስትያናት ምብራቅ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ቤተ ክርስትያን ዘተኮረ ከዚሙ እንከለዉ እቲ አብ ልዕሌካ ዝወደቀ አእማን መደያየቢ ናብ ሰማያዊ እግዚአብሔርን አብኡ ምስ መላእኽት ክትስራዕን ጠቂሙካ ኢሎም ከም ዘዝሙ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አዝኻኺርም ።

አብ መወዳእታ መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ንቤተ ሰቦምን ብፍላይ ንሽማገለታን ዓራት ንዝሐዙ ሕሙማትን ርሑስ ልደት ተመንዮም ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፈንዮምውም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.