2011-12-24 17:41:01

ርክብ ብጹዕ አቡነ ማምበርቲን ጁልዮ ተርጺን ፡
 


አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዋና ሐላፊ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ምስ ናይ መንግስቲ ታልያን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ጁልዮ ተርጺ ሳንታ አጋታ ከም ዝተራኸቡን ርክብ ቅድስቲ መንብርን መንግስቲ ጣልያንን ከምኡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2012 ዘተሐላለፍዎ መልእኽተ ሰላምን ብዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ተፈሊጡ።

መንእሰያት ዓለም ብህንጸተ ሰላም ተኰስኪሶም ክዓብዩን አብ ዓለም ሰላምን ቅሳነትን ምእንቲ ክነግስ ሐዲሽ ተስፋ ከበርክቱን አስተዋጽኦ ክገብሩን መልእኽተ ሰላም 2012 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝሐትት ክዝከር ከሎ ሊቀጳጳስ ዶመኒክ ማምበርትን ወጻኢ ጉዳይ መንግስቲ ጣልያን ጁልዮ ተርጺ ሳንታ አጋታን በዚ ርእሰ ጉዳይ”ዚ ብሰፊሑ ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡ ነቲ ርክብ ዝተኸታተሉ መራኸቡ ብዙኀን ቫቲካንን ጣልያንን አገንዚቦም ።

ድሕሪ”ት ርክብ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዋና ተጸዋዒ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ንመንግር ራድዮ ቫቲካን ከም ዝገለጽሉ ስድራ ቤት ናይ መጀመርያ ህንጸተ ቤት ሰላምን ፍትሕን ኢያ ።

ህንጸተ ሰላምን ፍትሕን ካብ ስድራ ናብ ቤተ ሰብ ካብ ቤተ ሰብ ናብ ሕብረተ ሰብ ክሰጋጋር ከም ዝኽእል ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ አመልኪቶም።

ብሐፈሻ ናይ ፖሊቲካ ሰባት ንመንእሰያት ናይ ዕርቅን ሰላምን አብነት ክኾኑ ኬም ዝግባእ ዘመልከቱ አመልኪቶም ክአ መራኸቢ ብዙኀን አብ ሐለዋ መሰል ሰብን ሞራልን ከድህቡ ከም ዘተሐሳሰቡ ተገልጹ ።

ሰላም ህያብ እግዚአብሔር ከም ዝኾነን ንህንጸተ ሰላም ሰብ ሰናይ ድላይ ኩሎም ሐላፍነት ከም ዘለዎምን ሊቀ ጳጳስ ዶመኒክ ማምበርቲ ከም ዝገለጹ ይምልከት ።

ርእሲ ኹሉ ፍትሒ ሰብ ዝሐንጸጾ ሕጊ ዘይኮነስ ዓለም ለኻዊ ሞራላዊ ሕጊ ከም ዝኾነ ክአ ከም ዝአመቱ ተተሐሒዙ ተገሊጹ ።



እቶም አብ ሞንጎ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርትን ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ዝተካየደ ርክብ ዝተኸታተሉ መራኸቢ ብዝኀን ቫቲካንን ጣልያንን ከም ዘመልከትዎ ፡ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢጣልያ ጁልዮ ተርጺ ሳንታ አጋታ ብወገኖም ከም ዘመልክትዎ አብ ዓለም ውግእ እንተዘይሎ ሰላም ዘሎ ዝመስሎም ሰባት ብዙሐት ከም ዘለዉ ጠቂሶም ፡

እቲ ዝበርትዔ ውግእ ጽረ ድኽነት ጸረ ሕማም ጽረ ድንቁርና ጸረ ብክልና አየር ምውህሃድ ወጻእተኛታት ምስ ሕብረተ ሰብ ምርግጋእን ጸጥታን ንምንጋስ ዝካየድ ውግእ ከም ዝኾነ ከም ዝገለጹ አብሪሆም ።

ሰላም ፡ ናይ ሕይወት ትህኪትን ፍርሕን ጽንስ ሐሳብ ዘይኮነስ ናይ ሕይወት ዝልዓለን ዝኽበረን ሐቅን ፍትህን ሰላምን ፍቅርን ዝአመተ ከም ዝኾነ ጁልዮ ተርጺ ሳንታ አጋታ ከም ዘገንዘቡ ክአ አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.