2011-12-24 17:30:31

ርሊጳ በነዲክቶስ ንመዋቲ መራሕ መንግስቲ ቸክ ረፓብሊክ ዘኪሮም ንኢዶም ፡


ናይ ቸክ ረፓብሊክ መራሒ ዝነበሩ ቫክላቭ ሃቨል አብ ሰብዓን ሐሙሽተን ዕድምኦም ቅድሚ ሐደ ሰሙን ካብዚ ዓለም”ዚ ብሞት ከም ዝተፈልዩን ትማሊ ሐመድ አዳም ከም ዝለበሱን ይዝከር ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንናይ ቸክ ረፓብሊክ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዝልአኹ ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ ።

በነዲክቶስ መበል 16 ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም አብ ቸክ ረፓብሊክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐውርያዊ ወኪል ዝንበር ብብፁዕ አቡነ ጆቫኒ ኮፖላ አብቲ ስርዓተ ቀብሪ ከም ዝተነበ ክምልከት ከሎ ፡ ቫክላቭ ሀቨል ተባዕ ተከላኻሊ መሰል ሰባት ከም ዝነበሩን ጽቡቅ ራእይ ፖሊቲካ ዝነበሮም ናይ ፖሊቲካ ሰብ ከም ዝነበሩን ፡ ህዝቢ ቸክ ረፓብሊክ ነፃነትን ሐርነትን ክጐናጸፍ ዓቢ አስተውጽኦ ዘበርከቱ ከም ዝነበሩ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንቸክ ረፓብሊክ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዘመልከተ እዚ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ

አገንዚቡ ።

እቲ ንቫክላቭ ሀቨል ዝተኻየደ ጸሎተ ፍትሐትን ሥርዓተ ቀብሪብ ብናይ ቸክ ረፓብሊክ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበር ብብጹዕ አቡነ ዶመኒክ ዱካ ከም ዝተኻየደ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ቫክላቭ ሀቨል ሰብዓታት ቻርታ 77 ዝተሰየመ ንመሰል ሰብ ዝጣበቅ ማሕበር ከም ዝመስረቱን ምእንቲ መሰል ሰብ ዘይሕለል ተጋድሎ ከም ዘካየዱን ይፍለጥ ።

ናይ ዓሰርተ ክልተ መራሕቲ ሀገራት ሰለስተ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ናይ ሳላሳ ሀገራት መንግስታት ልዑካን አብቲ ኣአብ ፕራግ ዝተኻየደ ስርዓተ ቀብሪ ቫክላቭ ሀቨል ከም ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ ።

መንግስቲ ረፓብሊክ ቸክ ብሕልፈት ቫክላቭ ሀቨል ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ዕለተ ሐዘን ከም ዝአወጀት እቲ ዜና አመልኪቱ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.