2011-12-20 14:54:39

ዒራቕ፣ ብፁዕ ኣቡነ ሳኮ ዝኽሪ ክርስትያን ሰማዕታት ዒራቕ


ኣብ ዒራቕ ናይ ኅቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ወተሃደራት ጸረ ሥርዓት ሳዳም ሁሴን መጥቃዕቲ ካብ ዝተበገሰሉ መጋቢት 2003 ዓ.ም. ድሕሪ ምውዳቕ ሥርዓት ሳዳም ሁሴን RealAudioMP3 እቲ ወተሃደራዊ ተልእኾ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ቀጺሉን ክሳብ ዝዛዘመሉ ዘሎ 2011 ዓ.ም. እዋን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ 36 ክርስትያን ምእመናን ካህናትን ደናግልን ብፁዕ ጳጳስን ዝርከብዎም ዜጋታት ዒራቕ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኪሪኩክ ከተማ ናይታ ከተማ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሳኮ ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዘከሩ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብዚ ራብዓይ ሰሙን ዘመነ ምጽኣት እቶም ሰማዕታት ክርስትያን ምዝካሮም ተስፋን እምነትን ፍቕርን ዘሕይልን እምነት ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ምንባር ዝበለጸ ከምኾነ ንምርግጋጽን ንምምስካርን ከምዝኾነ እውን እንክንገር፣ ብፁዕነቶም ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ደም ሰማዕታት ክቡር ምዃኑን ንዕርቅም ሰላምን ፍትሕን መሠረት ከምዝኸውን ዘየጥራጥር ኢዩ ቢሎም፣ ብፍላይ ድማ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ወተሃደራት ካብ ዒራቕ ኣብ ዝወጽሉ ዘለውሉ እዋን፣ ኩሉ ዜጋ ብዘይ ኣፈላላይ ናብ ማኅበራዊ ዕርቂ ከድህብ ከምዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ጸረ ሥርዓት ሳዳም ሁሴን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝተበገሰ መጋቢት 2003 ዓ.ም. ክሳብ’ዚ እዋን ወተሃደራት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ካብ ኢራቕ ምሉእ ብምሉእ ተልእኾኦም ፈጺሞም ኣብ ምውጻእ ኣብ ዝርከብሉ ዘሎ እዋን ብዝተኻየደ ውግእ 4 ሺሕን 5 ሚእትን ወተሃደራት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ልዕሊ 100 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ዒራቕ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም እንክዝከር፣ ናይ ሕቡራት ምንግሥታት ኣመሪካ ወትሃደራት ክሳብ ዕለት 31 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ዘሎ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኢራቕ ክወጹ ምዃኖም ይንገር።







All the contents on this site are copyrighted ©.