2011-12-20 14:49:04

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ዕርክነት ምስ ኢየሱስ ተስፋ ዘየቝርጽን ዘየደናግርን ዕርክነት ኢዩ


ብምኽንያት ምቅርራብ በዓለ ልደት ዘእግዚእነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምቲ ልሙድ ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበር መንእሰያት ልኡኻት ትማሊ ተቐቢሎም ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት ድሕሪ ምልውዋጥ፣ ነቶም መንሰያት ምስ ኢየሱስ ዝቐውም ዕርክነት ተስፋ ዘየቑርጽን ዘየደናግርን ኢዩ ኣብ ዝብል ቍዉም ነገር ዘማእከል ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ከምዝለገሱ RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይቶም ናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበር መንሰያት ንቕዱስ ኣቦና ዘለዎም ፍቕሪ ነቶም መንእሰያት ወኪላ ኣብ ቅድሚ ቅዱስነቶም ዘረባ ዘስምዔት ጂላድ ጋሉቺ ተመስኪሩን “ሎሚ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ኣቦና በቶም መምሃራንና ተሰንዪና ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮትና ክንገልጽን ምሳና እዚ ሰናይ ምንዮት ክለዋወጡ ብምፍቃዶም ንዅሎም ኣባላት ካቶሊክ ተግባር መንሰያት ብሓቂ ዓቢ ጸጋ በዓለ ልደት ኢዩ ቢላ፣ እቶም መንሰያት ምስ ቅዱስነቶም ምርኻብ ዘሕደረሎም ሓጎስን ውዕዉዕ ውሉዳዊ ስምዒትን ካብ ዘይምቁጽጻር ዝፈጠሮ ናይ ደስታ ኃዋሁ ንቕዱስ ኣቦና ዘሎና ፍቕሪ ዘረጋገጽ ኢዩ ከምዝበለት ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እታ መንእሰይ፣ ኣብ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ኣቐዲሞም ንናይ ካቶሊክ ተግባር ማኅበር መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሲጋሊኒ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ብፁዕ ኣቡነ ሲጋሊ ንነዊሕ እዋን ብዝሓደሮም ሕማም ምኽንያት ብሕክምና ክርድኡ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ሎም ሓውዮምን ንኣኻትኩም መንሰያት መሪሖም ኣብ መንጎና ስለ ዝተረኽቡ ሕጉሳት ኢና፣ እግዚኣብሔር ዝደልዮም መገልገሊ ኢዮም ምስ በሉ፣ ናይ 2011 ዓ.ም. ናይ ካቶሊክ ተግባር መሪሕ ቃል “ይጽውዓካ ኣሎ ተንስእ” ዝብል ቃለ ወንጌል ምዃኑ ዘኪሮም፣ እዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተንስእ እንክብል ንበርጠለሚዮስ ዘቕረቦ ዕድመ፣ ወለዲ ወትሩ ደቃቶም ዕለታዊ ኃላፍነቶም ክፍጽሙ ዘቕርብዎ ናይ ምንቕቓሕ ዕድመ እውን ዝገልጽ ኢዩ ቢሎም፣ ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቐውም ዕርክነት ጽባቔኡ ዘደንቕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ነዚ ዕርክነት ቅሩባት ክትኾኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ወትሩ ጽቡቕኩምን ሰናይኩምን ዝደሊ ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ንሕይወት፣ ክርስትያን ክትኾኑን ግብረ ሠናይ ክትፍጽሙን ንኢየሱስ እውን ምስጋናኹም ከተቕርቡ ዘብቕዓኩም፣ ብኣኡ ፍጹም ዕርክነት መሠረት ምስ ካልኦት ዕርክነት ከተቑሙ እውን ዝዕድመኩም ኢዩ።
ፍቱዋት መንሰያት ኣባላት ማኅበር ናይ ካቶሊክ ተግባር፣ ነቲ ንዕርክነቱ ዝጽውዓኩም ብልግስና መልሲ ክትህቡሉን፣ ናቱ ዕርክነት ፈጺሙ ዘየደናግርን ተስፋ ዘየቝርጽ እውን ኢዩ። ንገሌዅም ሥድራ ቤት ከተቑሙ፣ ንገሊኣትኩም ድማ ንክህነትን ገዳማዊ ሕይወትን ልኡካነ ወንጌላውያን ንክትኾኑ ክትኾኑ ዝጽውዕ ጸጋ ፍቕሪ ኢዩ። ሓገዝ ነዘድልዮም ቁልሕ ዝብል ኣስተውዕሎ ክህልወኩም፣ ከምቲ ኢየሱስ ንዝኾነ ይኹም ሰብ ምስ ጸገሙ ዘይሓድግ ተቐቢሉን ኣእንጊዱን ናይቲ ጸገም ተኻፋሊ ጥራሕ ዘይኮነሱ ምሉእ ብምሉእ ናቱ ዝገብር ኃይልን ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ዝዕድል ንስኻቱኩም እውን ነዚ ኣብነት መሪሕ ዕለታዊ ናብራኹም ግበሩ ምስ በሉ፣ በቲ ንበዓለ ልደት እትካይድዎ ዘለኹም መንፈሳውን ሰብኣውን ምቅርራባት ኣቢልኩም ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወተይ ምጻእ ኣነ ወትሩ ጽን ክብለካ ኢየ ዝብል እማኔ ኢኹም ትደግሙ ዘለኹም፣ ርሑስ በዓለ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ይግበረልና ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ መግለጺ ቅዱስቲ መንበር ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.