2011-12-17 16:22:34

መልእኽተ ሰላም 2012 ርእሰ ሊቃነ በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2012 ባሕቲ ጥሪ ተዘኪሩ ዝውዕል መበል አርብዓን ሐሙሽተን ዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም ዘተሐላልፍዎ መልእክቲ ኽፍሊ ማሕተም ቫቲካን ወግዓዊ መግለጺ ሂቡ ።

እዚ በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ን2012 ዓመተ ምሕረት ንመላእ ዓለም ዘተሐላልዎ መልእክተ ሰላም አርእስቲ ፡ ንመንእሰያት ፍትሕን ሰላም ምምሀር

ዝተሰየመ ከም ዝኾነ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን አገንዚቡ ።

መልእክተ ሰላም 2012 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንመንእሰያት ዘተኮረ ከም ዝኾነ ክፍለጥ ከሎ ፡ እቲ መልእክቲ መንእሰያት ፡ተስፋ ከይቆረጹ ንሐቅን ንፍትሕን ክደልዩ ዘተሐሳብ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ ።

ስድራ ቤት ንህንጸተ ሰላም መሠረታዊን እውነተኛን ጊደ ከም ዘለዎ ከም ዘመልክት ክአ ተገሊጹ ።

ብሐፈሻ ኩሎም መንእሰያት ዓለም ከይፈርሑ ንኹሉ ሰብ ዝሐቁፍ ብሩህን ሰላማውን መጻኢ ግዜ ንምህናጽ ተገሂሆም ክጽዕሩ መልእክተ ሰላም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝሐትት እቲ አብ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ንጋዜጠኛታት አብ ዝቀረበሉ ግዜ ተገሊጹ ።

ቅድስትን ካቶሊካዊን ቤተ ክርስትያን አብ መንእሰያት ዓቢ ተስፋ ከም ዘለዋ ከም ትከታተሎምን ከም ተተባብዖምን ክአ እቲ መልእኽተ ሰላም ከም ዘነጸረ ተፈሊጡ አሎ ።

እቲ አብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት መንእሰያት ንፍትሕን ንማዕርነት ማሕበራዊ ናብራን ዘካይድዎ ሰላማዊ ሰልፍታትን ምንቃስቃስን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘተሐሳስቦም እቲ መልእክተ ሰላም ከም ዘመልክት ክአ ተነጊሩ ።

መንእሰያት ናይ ሕጅን መጻኢ ግዜን ማሕበራዊ ናብራ ከም ዘተሐሳስቦምን ናይ ፖሊቲካ ሰባት ነዚ ናይ መንእሰያት ስክፍታን ምቁርቃርን ተረዲኦም አዎንታዊ መልሲ ክህብሉ ከም ዝግባእ ክአ ከም ዘተሐሳስብ ተፈሊጡ አሎ።

እዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ን2012 ዓመተ ምሕረት ዘተሐላለፍዎ መልእኽቲ አተሐሒዙ ርእዮተ ዓላማት ንዓለም ካብ እኩይ ከድሕንዋ ከም ዘይክእሉ ጠቂሱ ፡ ንኹሉ ፍጥረት ዓለም ዝፈጠረን ንወዲ ሰብ መቅሰፍቲ ሐጢአት ዘድሐነን እግዚአብሔር ጥራሕ ኢዩ ከድሕን ዝክእል ብማለት ከም ዘገንዘበ እቲ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

እቲ መልእኽተ ሰላም መንእሰያት ካብቲ ሕጂ ዝርኤ ሞራል አልቦ መስርሕ ፖሊቲካን ብልሽውናን ሐራ ኮይኖም ሰብአዊን ፍትሕን ሰላምን ዝዓሰሎ ሕብረተ ሰብ ክህሉ ተጊሆም ክሰርሑ ክሐደራ ከም ዝበለን ይምልከት ።

መበል አርብዓን ሐሙሽተን መልእክተ ሰላም 2012 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ መንእሰያት ዓለም ዘድሀበን ዘተኮረን እኳ እንተኾነ አብዚ እዋን”ዚ አብ ዓለም ብፍላይ አብ ምዕራባዊ ኤውሮጳ ተጋሂዱ ዘሎ ኤኮኖምያዊ ቅልዋላው ጠቂሱ ምንጪ ቅልውላው ኤኮኖሚ ባህላውን ሰብአውን ከም ዝኾነ ጠቂሱ

ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዝሐሸ ግዜ ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ከም ዝገለጸ ተነጊሩ።

አብ ትምህርትን አብ ስድራ ቤትን ዝተመስረተ ሥርዓተ ኤኮኖሚ ነቲ ቅልውላው ኤኮኖሚ ከህድኦ ከም ዝኽእል ጠቂሱ ክአ አብ ፖሊቲካ ዝተዋፈሩ ሰበ ስልጣናት ንስድራ ቤታትን ንመሳርዕ ትምህርትን ክሕግዙ ከም ዝተላበወ ክአ ተፈሊጡ አሎ።

ንደቀንስትዮ አብ ጥንስን ሕርስን ግዜ ዘድሊ ሐገዝ ምሃብ ከም ዘድሊ ስድራ ቤታት ንደቆም አብ ዝደልይዎ አብያተ ትምህርቲ ክምህሩ ምሉእ ነጻነት ክጐናጸፉ ብምትሕስሳብ ፡ መራኸቢ ብዙኀን ዓለም ሃናጽን ትምህርቲ ዝህብን ጊደ ክጻወቱ እቲ መልእኽተ ሰላም ከም ዝጸውዔ ክአ ተፈሊጡ አሎ ።

ቀጺሉ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወዲ ሰብ ኢሉ እቲ መልእክተ ሰላም ናይ ገዛእ ርእሱ ምስጢር ህላዌኡን ትርጉም ነፃነትን ሐርነትን ክርዳእ ዝኽእል ምስቲ ብአምሳሉ ዝፈጠሮ ወልደ እግዚአብሔር ተአሳሲሩ ምስ ዝነብር ጥራሕ ከም ዝኮነ ክአ አገንዚቡ ።

ህላዌ እግዝአብሔርን ፈሪሐ እግዚአብሔርን መሠረት ፍጥህን ሰላምን ከም ዝኾኑ አስሚሩ ክአ ወዲ ሰብ ትዕቢትን አነነትን ስስዔን ክገትእን ንግዚኡ ንዝጠቅምዎ ነገራት ክድልብ ምቅድዳምን ክጥንቀቅ ከም ዘተሐሳሰበ ተፈሊጡ አሎ።

መልእኽተ ሰላም 2012 ዓመተ ምህረት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዙ ሰላም ውጽኢት ፍትሒ ከም ዝኾነ አመልኪቱ ፡ ፍትሒ አልቦ ሰላም አልቦ ከም ዝኾነ አረዲኡ ።

ምንጪ ሰላም ፍትሒ ይኩን ድአምበር ሰላም ክህነጽ ዝኽእል ከም ዝኾነን እቶም ምእንቲ ሰላም ዝሰርሑ ክምስገኑ ከም ዝግባእን ክአ አመልኪቱ ።

ሃነጽቲ ሰላም ክንከውን ብሀገርን ብሀገራት ሐቆፍ ደረጃን ሕውነታዊ ተግባራት ክንሰርሕ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ክነዘውትር ከም ዝግባእ ክአ የገንዝብ ።

እዚ ክሳዕ ሕጂ ዝተከታተልክምዎ ካብቲ መልእክተ ሰላም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተቀንጨበ ኢዩ ።

እዚ ከምዚ እንከሎ ፡ አብቲ ትማሊ አብ ክፍሊ ማሕተም መልእኽተ ሰላም 2012 ዘተኮረ ዝተኻየደ መጋባእያ ብዛዕባ”ቲ ጽድያ ዓረባዊ ጽድያ ዝጽዋዕ አብ ሀገራት አዕራብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕብን አብ ሀገራት ኤውሮጳ ኢንዲኛዶስ ብአልቦነት ፍትሒ ተቆጢዖም አብ ቅርዓታት ዝወጹ መንእሰያትን ብዚምልከት ዘትዩ ።

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ዜጋ ጋና ብፁዕ ካርዲናልፒተር ኮዶዎ አፕያህ ታክሰን ቤተ ክርስትያንን መንእሰያትን ዘተኮረ መግለጺ ክህቡ እንከለዉ ፡ ቤተ ክርስትያን አብ መንእሰያት ዓቢ ኣምነት አለዋ ስለዚ ብሩህ መጻኢ ዕድል ክውልዎም ክአ ተተባብዖም ።

ነንሐድሐዶም ክተሐባበሩ ተሐጋጊዞም ሰላማውን ፍትሐውን ሕብረተ ሰብ ክሀንጹ ትደሊን ነዚ ክአ ምስአቶም ዱልዱል አብ ተስፋ ዝተመሥረተ ርክብ ክህልዋ ትጽዕር ኢሎም ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ኮዶዎ አፕያህ ታክሰን ።

ምክትሎም ብፁዕ አቡነ ማርዮ ቶሶ ብወገኖም ከም ዘመልከትዎ መንእሰያት ዓረባዊ ጽድያ ሀገራት ዓረብ አብ ሀገሮም ምሕደራ ዲሞክራሲ እንተተረኺቡ ማሕበራዊ ፍትሒ ከም ዝመጽእ ንዓለም አረዲኦም ።

ሀረርታ ዲሞክራስን ማሕበራውን ፍትሒ መንእሰያት ዓለም ብቀሊሉ ዝርኤ ከም ዘይኮነንን መንእሰያት ክዕወቱ ናይ ኩሉ ሰናይ ዝደሊ ሰብ ሶሊዳሪቲ ምትሕብባር ክረክብ ከም ዝግብኦን ክአ ምኽትል ሊቀ መንበር ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ፍትሕን ሰላምን ብጹዕ አቡነ ማርዮ ቶሶ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.