2011-12-17 14:50:43

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማ ቤተ ማእሰርቲ ረቢቢያ


ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንምምስካር ጽባሕ ሰንበት ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ናይ ምእንጋድ ሰንበት” ዕለት 18 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ክበጽሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ እቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 46 ዘሎ ነቢያት እውን ሓልዮት እግዚኣብሔር ብምባል ዝገልጽዎን ብሉይ ኪዳን RealAudioMP3 ብትንቢታዊ ቃል ዘቕርቦ ሓሳብ ቃለ ወንጌል “…ጠምየ ኣብላዕኩምኒ፣ ጸሚአ እስቴኹምኒ፣ ጋሻ ኮይነ መጺአ ተቐበልኩምኒ፣ ዓሬቐ ኸደንኩምኒ፣ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፣ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ…” ብዝብሉ ቓላት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቕርቦ ምስላ መወዳታ ፍርዲ፣ እቶም ኣብ የማኑ ንኽቕመጡ ዝሓርዮም መምዘኒኦም ብዘይ-ላንጋላንጋ፣ ኵሉ ክርድኦ ብዝኽእል ኣዘራርባ ብትኽኽል ይገልጾ። እዚ መምዘኒ’ዚ ቤተ ክርስትያን ናታ ገይራ ኣብ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ተርጒይማን እትነብሮ እዩ። በዚ መሠረት’ዚ ርሑቕ ከይከድና ዕለት 26 ታሕሳስ 1958 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 9 ሚያዝያ 1964 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 27 ታሕሳስ 1983 ዓ.ም.ን ብምኽንያት ክልተ ሺሕ ዓመት ኢዮቤል ዕለት 24 ሰነ ንኡሱራት ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ዕለት 9 ሓምለ 2000 ዓ.ም. ንእሱራት ኣብ ዓመት ኢዮቤል ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ከምኡ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 18 መጋቢት 2007 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ካሳል ደ ማርሞ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤተ ማእሰርቲ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓዋርያዊ ምዕዳኖምን ኣስተምህሮታቶምን መልእኽትታቶም ቤተ ክርስትያን ኣደ ኵሉ ምዃና ብዝተፈላለየ መልክዕን መገድን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነት ንዝርከብ ማኅበረሰብ ዝምስክርዎ ኢዩ።
ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ረቢቢያ ቤተ ማእሰርቲ ኣመልኪቶም ናይቲ ቤተ ማእሰርቲ ዋና ኣመሓዳሪ ካርመሎ ካንቶነ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ሮማ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ 1,740 ብዝተፈላለዩ ገበናት ፍርዲ ዝተበየኖም እሱራት ከም ዝርከቡን ኣብቲ ቤት ማእስርቲ ዘሎ ሓይሊ ሰብን ሓይሊ ሓሳብን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ንእሱራት ዝግደሱ ሰብ ወለንተይናታት ናይ ዝተፈላለያ ግዱሳት ማኅበራት ግብረ ሰናይ ኣባላትን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኃይሊ ጸጥታ ኣባላትን ዝህብዎ ኣገልግሎትን ሱታፌን ዝተመልኦ ጭቡጥ ኩነት ኢዩ። ናይ ኢጣሊያ ቤት ማእሰርቲ ብብዝሒ እሱራት ዝተመልኤ ብምዃኑ ብዙሕ የዛርብ ኢዩ፣ እዚ ናይ ረቢቢያ ቤት ማእሰርቲ ሓድሽን ነዚ ዓይነት ምጭንናቕ እሱራት ንምፍታሕ ተባሂሉ ዝተሓንጸ ብምዃኑ ዝሓሸ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንኡሱራት ክበጽሑ እንከለዉ ነቶም እሱራትን ስድራ ቤቶምን ነቶም ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ብዝተፈላለየ ተልእኾ ዘገልግሉ ኩሎም ዓቢ ተስፋ ኢዩ። እቲ ዘቕርብዎ ኣስተምህሮ ተስፋን ፍቕርን እምነት ዘተባብዕን ዘጸናንዕን እውን ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ ቢሎም፣ እዚ ኣቃልቦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብሓቂ ባህ ዘብልን ምልክት ተስፋን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.