2011-12-15 18:12:02

ፓትርያርክ ላሀም ሳልሳይ ምእመናን ጸሎትን አስተንትኖን ክግበር ሐቲቶም ፡


እቲ አብ ሶርያ ርእሰ ከተማ ደማስቆስ ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ከም ዝተፈጸመ ከኣብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ ።

እቲ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሶርያ ብፓትርያርክ ግሪክ/መልቂጣ ዘአንጾክያ ግረጎርዮ ላሀም ስልሳይ ተመሪሑ ከም ዝተኻየደ ክምልከት ከሎ ምእመናን አብዚ ዝመጽእ ዘሎ ልደተ እግዚእነ ወመድኀኒነ ኢየሱስ ክርቶስ ምእንቲ”ቶም አብታ ሀገር ብዝተካየደ ፖሊቲካዊ ህውከት ክጽልዩ ከም ዘተሐሳሰቡ ካብ ደማስቆስ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ምእመናን ካብ ግዳማዊ ውሽጣዊ ብርሃን ክደልዩ ስሩዕ ሕይወት ክመርሑ ክጽዕሩ ፓትርያርክ ግርጎርዮ ላሀም ሳልሳይ ከም ዝጸውዑ ክአ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

አባይቲ ካቶሊካውያን ምአመናን ብግዜ ልደት ናብ ብዓቲ ኢየሩሳሌም ክቅየሩ አብኡ ክአ ጸጸሎትን አስተንትኖን ክካየዱ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ ተገሊጹ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ሳልስቲ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስተዛዘመ ኩለን አብያተ ክረትያናት ምእንቲ አብ ሶርያ ዕርቅን ሰላምን ክሰፍን ብሐባር ከም ዝጸለዩ እዚ ካብ ደማስቆስ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።

እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ አብ ሶርያ ዝተጀመረ ፖሊቲካዊ ቅልውላው ይቅጽል ከም ዘሎን መንግስቲ ፕረሲደንት ባሻር አርል አሳድ ካብ ሀገራት ሐቆፍ ማሕበውረ ሰብ ተነጺሉ ከም ዝርከብ ይምልከት ።








All the contents on this site are copyrighted ©.