2011-12-15 18:33:45

ፓርላማ ኤውሮጳ ፡ ናይ ሰላም ኖብል ሽልማት ሂቡ ፡


ፓርላማ ኤውሮጳ በቲ ዓረባዊ ጽድያ ዝጽዋዕ አብ ሀገራት አዕራብ ንተሐድሶ ፖሊቲካ ዝተቃለሱ ሰባት ናይ ሳኻሮቭ ናይ ሰላም ሽልማት ከም ዝሀበን እቲ ሽልማት ነቶም አብኡ ዝተረኽቡ ብፕረሲደንት ፓርላማ ኤውሮጳ ብጀሪ ቡዘክ ከም ዝተዋህበን ካብ ስትራስበርግ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።

እቶም ብናይ ኤውሮጳ ፓርላማ ናይ ሳኻሮቭ ናይ ሰላም ሽልማት ዝተቀበሉ ዜጋ ሊብያ አሕመድ ኣል ሳኑሲ አስማ ማሕፉድ ምስራዊ ራዛን ዓሊ ፋርጻት ዜጋ ሶርያ

መሐመድ በዓዚ ዜጋ ቱኒሲያ ከም ዝኾኑ እዚ ካብ ስትራስበርግ ዝመዘ ዜና አነጺሩ።

ካብቶም ናይ ምሕሳብ ነፃነት ኖብል ሽልማት ዝተቀበሉ ዜጋ ሊብያ አሕመድ አል ዙበይር አል ሳኑሲ ብግዜ መንግስቲ መዓመር ጋዳፊ ንመንግስቲ ብቃል

ብምቅዋሞም ን31 ዓመታት አብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነበሩ አብኡ ከም ዝተሳቀዩ ከም ዝተገርፉን ክንክን ጥዕና ተነፊግዎም ከም ዝነበረን ከም ዝገለጹ ይምልከት ።

እዚ ኹሉ ኮይኑ ግን ሰብአዊ ክብሮም ዓቂቦም እምነትን ተስፋን ከም ዘይተፍልዮም ብሕይወት ናይ ምንባር ሀረርታ ከም ዝነበሮም ከም ዘመልከቱ ተነጊሩ።

ዜጋ ቱኒሲያ መሐመድ ቡዓዚዝ አብ ቱኒስያ ፍትሒ ከም ዘይሎ ተገንዚቦም ርእሶም ብሐዊ አቃጺሎም ዝሞቱን እቲ ዓረባዊ ጽድያ ዝጽዋዕ ማለት ህዝባዊ ናዕቢ ንተሐድሶ ፖሊቲካን ኤኮኖምን ንክጅመር ምክንያትን መሠረትን ከም ዝኾነ ይዝከር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.