2011-12-15 13:22:05

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ንእሱራት ተስፋ ምብሣር


ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ እቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 46 ዘሎ ነቢያት እውን ሓልዮት እግዚኣብሔር ብምባል ዝገልጽዎን ብሉይ ኪዳን ብትንቢታዊ ቃል ዘቕርቦ ሓሳብ ንሱ ድማ “…ጠምየ ኣብላዕኩምኒ፣ ጸሚአ እስቴኹምኒ፣ ጋሻ ኮይነ መጺአ ተቐበልኩምኒ፣ ዓሬቐ ኸደንኩምኒ፣ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፣ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ…” ብዝብሉ ቓላት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቕርቦ ምስላ መወዳታ ፍርዲ፣ RealAudioMP3 እቶም ኣብ የማኑ ንኽቕመጡ ዝሓርዮም መምዘኒኦም ብዘይ-ላንጋላንጋ ኩሉ ክርድኦ ብዝኽእል ኣዘራርባ ብትኽኽል ይገልጾ። እዚ መምዘኒ’ዚ ቤተ ክርስትያን ናታ ገይራ ኣብ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ተርጒይማ እትነብሮ ኢዩ። በዚ መሠረት’ዚ ርሑቕ ከይከድና ዕለት 26 ታሕሳስ 1958 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ዓ.ም. ዕለት 9 ሚያዝያን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 27 ታሕሳስ 1983 ዓ.ም.ን ብምኽንያት 2ሺሕ ዓመት ኢዮቤል ዕለት 24 ሰነ ንኡሱራት ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ዕለት 9 ሓምለ 2000 ዓ.ም. ንእሱራት ኣብ ዓመት ኢዮቤል ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ከምኡ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 18 መጋቢት 2007 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ካሳል ደ ማርሞ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቤተ ማእሰርቲ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ክኸውን እንከሎ ከምኡ ኣውን ኣብታ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝለገስዎ ኣፍሪካ ሙኑስ-መብጽዓ ኣፍሪቃ ኣብ እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 83 ኣብ ከተማታት ምስፋሕ ግብረ ዓመጽን ካልኦት ዝተፈላለዩ ገበናትን ንመንግሥታትን ነቶም ኣብ ኃላፍነት ንዝርከቡ ኣካላት ዓቢይ ምኽንያት ኣቃልቦ ክኸውን ከምዘለዎን በዚ መሠረት’ዚ ፍትሕን ገበነይናታት ተኃድሶ ዝቐስምሉ ሕንጸት ክረኽቡ ዘብቅዖም ሓድሽን ናጻን ዝኾነ ሥርዓት ሕግን ፍትሕን ቤት ማእሰርትን ከላዝቡ ይግባእ። ኣብ ሕግን ፍትሕን ዝተፈጸሙ ጌጋታትን ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጸሙ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ብዙሕ ጊዜ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ፍቓድን ምግሃስ ምስ ዝብል ሓሳብ ዝተኻኸል ሕጊ ብትኽክል ኣብ ግብሪ ካብ ዘይምውዓልን መዕለቢ ዘይረኽቡ ማእሰርትን እንተሓሸ ድማ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ደንጉዩ መልሲ ዝወሃቦ ማእሰርቲን ፈጺሙ እውን ኣብ ቤት ፍርዲ ዘይቐርብ ኮይኑ ዝተርፍ ጉዳይ እሱራት፣ ዳግም ከይፍጸምን ከይርኣይን ጻዕሪ ክግበር ኣተሓሳሲቦም። ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዕርቅን ፍትሕን ሰላም ነቢያዊ ተልእኾ ሓዋርያነት ከምዘለዋ የገንዝቡ።
ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንምምስካር ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ናይ ምእንጋድ ሰንበት” ዕለት 18 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ክበጽሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ሮማ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ዝርከቡ እሱራት ንቕዱስ ኣቦና ንምቕባልን ካብኦም መሪሕ ቃለ ተስፋ ክቕበሉ ዘለዎም ትጽቢት ዓቢ ከምዝኾነን ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ከም ጸጋ በዓለ ልደት ዝቕበልዎ ከምዝኾነ እውን ይገልጹ ከምዘለዉ ኣብ ላዚዮ ክፍለ ሃገር ናይ እሱራት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብርን ውሕስነት ሓላፊ ናይ ሕጊ ሊቅ ኣንጆሎ ማሮኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እሱራት ብዝተፈላለየ ምኽንያት እዚ ድማ ብዝፈጸመዎ ገበን ድዩ ብኩነት ቤት ምእስርትን ጉድለት ግቡእ ኣትሓሕዛ እሱራት ጠንቂ ብዝወርዶም ሥነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንዝተስፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ገሊጾም ካብዚ ተበጊሶም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፍጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዓቢ መጸናንዕን ተስፋ ዘሕድርን እምነት ዘተነቓቕሕን ፍቕሪ ዘንብርን ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ልዕሊ ሕይወት እሱራትን ቤት ማእሰርትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘገልግሉ ሰራሕተይናታት ሕይወት እቲ ተስፋ ካብ ምቑራጽ ዘናግፍ እምነት ኣብ ኢጣሊያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ እሱራት እውን ዘበራብር ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.