2011-12-10 14:56:33

ፕሮፈሰር ካርዲያ፦ ንኩላዊት ቤት ክርስትያን ሓለፋ ዝብል ሕጊ የሎን


እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ እትርከበሉ ሥፍራ ካብ ናይ እተመሓድሮ ንብረት ኣብ ዝርከበሉ ሃገር ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ናይ ቀረጽ ውሳኔ መሠረት ግቡኣ RealAudioMP3 ትፍጽም እያ፣ ስለዚህ ካብ ቀረጽ ናጻ ዘብላ ምንም ዓይነት ሓለፋ የሎን፣ ኣብ ማኅበራዊ መዳይ ሃይማኖትን ዓለማውን ክውንነት ንዘለዋ ግደ ምችእነት ዝሃቀነ ምትሕብባር እዩ ዝግበረላ፣ ስለዚህ እዚ ምትሕብባር’ዚ ካብ ቀረጽ ምኽፋል ግቡእነት ናጻ ከምዝኾነት ኣምሲልካ ምዝራብን ምቕራብን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ሮማ ትረ እተሰምየ መንበረ ጥበብ ቤተ ክርስትያናዊ መሰልን ፍቓድን ዝምልክተ ሕጊ መምህር ናይ ሥነ ሕጊ ሊቅ ካርሎ ካርዲያ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢጣሊያ ዘዛርብ ዘሎ ቤተ ክርስትያን እተመሓድሮ እቶት እትረኽበሉ መሳለጢያ ካብ ግብሪ ናጻ ከምዝኾነ ገይርካ ብድብድቡ ዝርኤ ክትዕን ፕሮፓጋንዳን ሃጠውቀጠው እዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ሓለፋ ዘይኮነስ ኣብ ማኅበራዊ መዳይ ዘለዋ ዓቢ ግደ ምቹእ ክኸውን ዝብል ምትሕብባራት እዩ ዝግበረላ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና ሓቢሩ።
ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ብዛዕባ እቲ ሃጠውቀጠው ዝንዛሕ ዜናን ዝካዩዱ ናይ ዘተ መደባት ንቤተ ክርስትያን ዝቃወም ኣብ ጅምላዊ ቅድመ ፍርዲ ዝተመርኰዘ ምረት ኢዩ።
ስለዚህ እቲ ኢቺ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ መንበሪ ቤት ዝውንን ዜጋ ንመንግሥቲ ካብ ዝኸፍሎ ቀረጽ ቤተ ክርስትያን ናጻ ዝብል ናይ ምትሕብባር ውሳኔ ንናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነ ንኻልኦት ሃይማኖታትን ዘይ መንግሥታውያን ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራትን ዝምልከት እውን ኢዩ። ስለዚህ ብመሠረቱ ንካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሓላፍ ከምዝኾነ ገርካ ምዝራብ እንታይነት መንቀሊኡ ንጹር ኢዩ።
ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ንኣብነት ናይ ኣይሁድን ቫልደዝን ከምኡ እውን ዘይ መንግሥታውያን ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራት ካብቲ ኢቺ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ቀረጽ ናጻ ምባል መንግሥቲ ነቲ ኣብ ኅብረተሰብ ዘቕርቦ ሓገዝን ምትሕብባርን ብፍላይ ድማ ነቲ መንግሥቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሉ ዝኾኑ ማኅበራውን ሰብኣውን ደገፍን ሕንጸትን ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ብሓቒ ከም ሥራሕ ዘይኮነስ ከም ጸዋዕታ መሠረት ዝፍጸሙ ተልእኾታት ናጻ ዝገብሮ ኢዩ። ስለዚህ እቲ ጥቕሚ ናይ ቤተ ክርስትያን ዘይኮነስ ማኅበራዊ እዩ። ንመንግሥትን ናይ ከባቢ ምምሕዳርን ጥቕሚ ኢዩ። ንኣብነት ናብ ኢጣሊያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝውሕዙ ስደተይናታትን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ምሉእ ደገፍ ዘቕርብ መን ኢዩ? ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ሓለፈ ከምዘለዋ ጌርካ ምዝራብ ዘሕዝንን ጅምላዊ ቅድመ ፍርዲ መሠረት ዘለዎ ፕሮፓጋንዳ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.