2011-12-10 14:54:53

ብፁዕ ኣቡነ ቶማዚ፦ ዑቕባ ንዝመዛበል ስደተይና ምቕራብ ሥነ ምግባራዊ ሕቶ ኢዩ።


ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ቅድሚ ትማሊ ብዛዕባ ናይ ፖለቲካ ስደተይናታት ዝነብርዎ ኩነት ኣልቦ ሃገርነት ዝምልከት ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ፍሉይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዝጸደቐሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት RealAudioMP3 ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ተሳትፊም ዘረባ ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር የመልክት።
ብፁዕነቶም ኣብ ዘስሞዕዎ ዘረባ ኣብ 1951 ዓ.ም. ዜጋታት ኣልቦ ሃገር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ንምጽዳቕ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፖሊቲካ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዛዕባ ገርዩ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ዕዮ ዝተሳተፋ 26 ሓገራት መንጎ ቅድስቲ መንበር ከምእትጥቀስ ዘኪሮም፣ ብዛዕባ እዚ ናይቶም ኣልቦ ሃገር ዝተርፉ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ 50 ዓመት ከምዝገበረን ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ዑቕባ ምቕራብ ሥነ ምግባራዊ ሕቶ ኢዩ። ስለዚህ ብሥነ ምግብር መሠረት ዝቕረብ ሕቶ ብምዃኑ ድማ ውሕስነት ዑቕባ ዘረጋገጽ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ንስደትን ምዝብልናን ዝድርኽ ምኽንያት ካብ ሱሩ መታን ክመሓው ክፍጸም ዘለዎ ተግባር ዝተነብሮ እውን እዩ። ብፁዕነቶም ኣብቲ እዋናዊ ኩነት ስደተይናትታን ተመዛበልትን ተመርኩይዞም ዘስምዕዎ ዘረባ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካሪታስ ኢን ቨሪታተ-ፍቕሪ ብሓቒ ኣብ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ሕቡራት ሃገራት ሥድራ ቤት እዚ ድማ ሃገራት ሥድራ ቤት ዝብል ሓድሽ ኣምር ብምትእትታው ድኻታት ሃገራት እውን ብማዕርነት ዘጠቓልልን ዘሳትፍን ሃገራት ሥድራ ቤት፣ ንናይ ኣሕዛብ ዓለም ምዕባለ ዝኣመተ ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘተባብዕ ሓድሽ ከይዲ ዓለማውነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ መሠረት ንመጻኢ ዝኣመተ እውን ከምዝኾነን፣ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክፍሊ ታሪኽ እያቶም። ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 33 ሚሊዮን ዝግመቱ ብናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት ዑቕባ ዝግበረሎም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ከምዘለዉን ኣዘኻኺሮም፣ ሕይወትካ ካብ ሓደጋ ምድሓን ሓደ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ኢዩ። ስለዚህ ሕይወትካ ምድሓን ዝብል መሰል ምስ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝተተሓዘ ሓሳብ እዩ፣ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብባህላዊ መዳይ ክጽናዕን ክስትንተንን ዘለዎ ኣገዳሲ ኣምር ኢዩ ኢሎም።
ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ሥድራ ቤትን ገዛእ ርእስኻ ንምዕንጋል ሥራሕ ንምንዳይ ምንቅስቓስ ካብ ቦታ ናብ ቦታ መሰልን ፍቓድን ኢዩ ምስ በሉ መዕቆቢ ተመዛበልትን ስደተይናታት ማእክል ግዚያዊ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ካብዚ ወጺኦም ከም ኩሉ ዜጋ ሕይወቶም ክመርሑ ክድገፉን ናይ ሥራሕን ሕንጸት መሰሎም ክኽበረሎም ኣለዎ። ብፍላይ ደቂንስትዮ ስደተይናታትን ብሓቂ እተን ዓቢ ሓልዮ ዘድልየን ከምዝኾና ኣተሓሳሲቦም ዘረባኦም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.