2011-12-10 14:50:20

ላቲን ኣመሪካ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ
መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ኵባ


ዕለት 12 ታሕሳስ 12 ቀን 2011 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐን ከምኡ ኣውን ብዙሓት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻሉ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ምኽንያት ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ድርገት በዘዳለዎ መደብ ኣከባብራ በዓል መሠረት ቅዱስ RealAudioMP3 ኣቦና ዕለት 12 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዳሴ ከዕርጉ ድላይ ከምዘለዎ ንፍቓዶም ዘቕረቦ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና እወታዊ መልሲ ከምዝሃብሉ እንክፍለጥ፣ ስለዚህ ጽባሕ ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩ ስደተይናታት ዜጋታት ላቲን ኣመሪካን ካብ ላቲን ኣመሪካ ንዝለዓለ ትምህርቲ ዝተላእኩን ኣብ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ዝመሃሩ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ካህናት፣ ብዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስትያንን ማኅበሮምን ፍቓድ መሠረት ኣብ ሮማን ከባቢኣን ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ ላቲን ኣመሪካውያን ካህናትን ደናግልን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ስፐይንን ፖርቱጋልን ካናዳን ልኡካነ መንግሥታት ዝርከብዎም ናይ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ልኡካነ መንግሥታትን ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ላቲን ኣመሪካ ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ዝውጽኦ መግለጺ የመልክት።
እዚ ብናይ ሮማ ሰዓታ ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ጽባሕ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ብቕዱስ ኣቦና ተመሪሑ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሩ ናይ ላቲን ኣመሪካ መንእሰያት ዝውክሉ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ሃገራት ሰንደቕ ዕላማታት ኣብ ጥቓ መንበረ ታቦት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽብሪ እቲ በዓል ኣብ እትቕመጥ ሓወልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፔ እግሪ ከንብሩ ከምዝኾነ ናይ ላቲን ኣመሪካ ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኵባ ብጹዓን ጳጳሳት ዘቕረብዎን ትማሊ ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሠረት ምእመናን ኩባ እቲ ኣብ ኩባ ካብ ዕለት 7 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 5 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ናብ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፍቅር ዓመት መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ኩባ ከባቢ ምሥራቕ ኒፐ ኣብ 1612 ዓ.ም. ኣብቲ ከባቢ ብዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ዝትረኽበት ምእመናን ኩባ ዝምህለልዋን ብዙሕ ተኣምራት ዘርኣየት ንመበል 400 ዓመት ርኽበታ ምኽንያት ናብ ቅዱስ ምስላን ዝፍጸም ናይ ንግደት ዓመት ኣመልኪቶም፣ በዚ ዓቢይ በዓል ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ፍቕሪ ነጋዲ ብዝብል ቃል ዝተመርሔ ኣብ ኩባ ሓዋርያዊ መብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ተፈሊጡ። እዚ በመል 400 ዓመት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፍቅር እታ በቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ባሕሪ ዝተረኽበት ምስሊ ኣደ ኣምላኽ ኣነ ድንግል ማርያም ዘፍቅር ኢየ ዝብል ጽሑፍ ዝተነብራ ከምዝኾነን፣ ሕዝቢ ኩባ ሓለዋን ኣደነታን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘስተማቕሮ ዘሎን እምነቱ ክዕቅብን ከዕብን ደገፍ ከምዝኾነቶ እውን ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎሶ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕራፍ 13 ካብ ፍቕዲ 4 ክሳብ 6 “ፍቕሪ ዓቃል እያ፥ ፍቕሪ ለዋሕ እያ፥ ፍቕሪ ኣይትቐንእን እያ፥ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን እያ፥ ኣይትዕበይን እያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትን፥ ንዓይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን እያ። ፍቕሪ ኣይትቝጣዕን፥ ኣይትቕየምን እያ፥ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር ብዓመጽ ባህ ኣይብላን”። ዝብላ ቃላት ዘማእከለ ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጠቂሶም ሕዝቢ ኩባ ንፍትሕን ሓቅን ሰላምን ዕርቅን ሃጋራዊ ሓድነትን ክተግህ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.