2011-12-08 17:40:33

ብጹዕ ካርዲናል ማርቲኖ አብ ሚያንማር፡


ሎሚ ወርሒ ታሕሳ ዕለት 8 ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓመታዊ በዓል ፅንሰታ ንጽህትን ቅድስትን ድንግልማርያም አብዒላ ከም ዝውዓለት ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ አብ ርሑቅ ምብራቅ አብ ሚያንማር ርእሰ ከተማ ያንጎን ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝተሀንጸን አብዚ ቅረባ ግዜ ዝተሐደሰን ካተድራል ቅድስት ድንግል ማርያም ሎሚ ዝተመስረተሉ መበል ሚእቲ ዓመት የኽብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ አሎ።

እዚ ዝኽረ ሚእቲ ዓመትን እዚ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተኸቢሩ ዝውዓለን ዝኽረ መበል ሚእቲ ዓመትን”ዚ ወዲ ሰብ ምስ እግዝአብሔርን ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕልናን ምስ ካልኦትን ሰባትን ዝዕረቀሉ ዓቢ አጋጣሚ ከም ዝኾነ ሊቀ ጳጳስ ሰበኻ ራንጎን ብጹዕ አቡነ ቻርለስ ቦ አብ ራንጎን መግለጺ ከም ዝሀቡ ኤስያ ኒውስ አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ።

አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤለ ማርቲኖ ካተድራል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ያንጎን ክሳተፉ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተወከሉ ክፍለጥ እንከሎ ነቲ ሎሚ አብታ ባዚሊካ ዝዓረገ መስውዕተ ቅዳሴ ከም ዝመርሑ እቲ አገልግሎት ዜና አፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ማረቲኖ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ንህዝበ ክርስትያን ሚያምንማር ዝልአኽዎ ሐዋርያዊ ቡራኼን መልእኽተ ሰላምን ሒዞም ንያንጎን ከም ዘምርሑ ይምልከት ።

በዚ ዜና መሠረት ሃይማኖት ቡድሃ ዝኽተላ ናይ ሰላም ኖብል ሽልማት አሸናፊ አብ ሚያንማር ንመሰል ሰብ ዝማጐታ ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ ተቃውሞ ዝመርሐ አዉን ሳን ሱሺ ናይ መንግስቲ ሚያንማር ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር አብቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ተሳቲፎም ።

እዛ በርማ ትጽዋዕ ዝነበረት ሕጂ ሚያንማር ተባሂላ ትጽዋዕ አብ ደቡባዊ ኤስያ ትርከብ ሀገር ህዝባ 47 ሸውዓተን ሚልዮን ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ ካብዚ አርባዕተ ካብ ሚእቲ ሃይማኖት ክርስትና ዝኸተሉ ክኸኑ እንከለዉ ካብአቶም ሐደ ሚእታዊ ካቶሊካውያን ከም ዝኾኑ ኤስያ ኒውስ አገልግሎት ዜና ዝሀቦ ጸብጻብ አገንዚቡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.