2011-12-08 15:39:32

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ “በዓለ ጽንሰታ ፍልዩነት ሱታፌ ማርያም ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትማሊ ከምቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣቕሪቦም ኣብ መወዳታ ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ምዃኑ ብናይ ላቲን ሥርዓት እዚ ዘለናሉ RealAudioMP3 እዋን ዘመነ ምጽኣት እውን ኢዩ ቢሎም እዘኻኺሮም፣ ናይ ዘመነ ምጽኣት ሊጡርጊያ ንቑሓትን ጸለይትን ክንከውን ዝምዕደና ከኸውን እንከሎ ክርስቶስ ድማ ከመይ ጌርና ክንጽሊ ከምዝግብኣና ከምዝመሃረናን ጸሎትና ብናይ መቅዱስ መንፈስ ድጋፍ እንተዘይኮይኑ ብገዛእ ርእስና ብቕዓት ዝፍጸም ከምዘይኮነ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ. 8 ፍቕዲ 27 መሠረት ኣረዲኦም፣ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ፍሉይነት ሱታፌ ማርያም ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ዘዘክረናን፣ ብኩለንተናኣ ቅድስቲ ናይ ትስብእቱ መሕደሪ መታን ክትከውን ካብ ኩሉ ኃጢኣትን ክፍኣት ዝዓቀባ ከምዝኾነንት ንሳ ብወገና ኣብ ጎይታ ምሉእ እማኔ ዝነበረት ኢያ። መንእሰያት ብንጹሕ ልብን ብሩህነትን ንዓኣ ኣብ ምምሳል ክተግህ እግዚኣብሔር ኣባኻትኩም “ዓበይት ንገራት” (ሉቃ. 1፣ 49) ክገብር መታን ንድላይ እግዚኣብሔር ድልዋት ክትኾኑ ገዛእ ርእስኹም ንፍቓዱ ኣቕርቡ፣ ኅሙማን ኣብ እግዚኣብሔር እማኔ ከግበሩን ሓደስቲ መራዑት እውን ቤቶም ቤት ጸጋ እግዚኣብሔርን ኣፍቅሮተ ዘቤት መታን ክትኸውን ተምሳል ቅድስቲ ቤት ናዝሬት ግበርዋ ቢሎም ከምዝመዓዱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስነቶም ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ብምኽንያት ብበዓለ ጽንሰታ ለማርያም ኣብ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ፣ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ኣብ 1854 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መልኽቲ (እቲ ምኅረትን ሓቅን ጥርሕ መገዱ ዝኾነ) ኢነፋቢሊስ ደውስ - ክግለጽ ዘይከኣል እግዚኣብሔር” ብዝብል ሓዋርያዊ ውሳኔ ዘጽደቕዎ ዓንቀጸ ሃይማኖት ኩላዊት ቤተ ክስትያን ሎሚ ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ተብዕል ኣላ ቢሎም፣ በቲ ዝመጽእ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መድኅን ዘርኢ ሰብ ክብሪ ቅድመ ትርኢት መሠረት ብፍጹም ኃያል እግዚኣብሔር ፍሉይ ጸጋን ሓለፋን ካብ ኩሉ ኣበርን ኃጢኣትን ዝተዓቀበትን ካብ ኃጢኣት ኣዳምን ናጻ ዝኾነት ኢያ። እዚ ናይ እምነት ሓቂ’ዚ ድማ ኣብቲ ቃል ሰላምታ ቅዱስ ገብርኤል “ተሓጐሲ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ” ኣብ ዝብል (ሉቃ. 1፣ 28) ዝጠቓለል ኢዩ።
ምልእተ ጸጋ ዝብል ኣገላልጻ ነቲ ብኃጢኣት ምኽንያት ዝጠፍኤ ሕይወትን ናጽነትን ዳግም በቲ እንኮ ወዱ ትስብእትን ሞትን ትንሳኤን ኣቢሉ ናይ ዝጸገወና ዘደንቕ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ተግባር ኢዩ ዘመልክ።፣ እዚ ኣብ ምሥራቕን ምዕራብን ቤተ ክርስትያን ካብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን እትሒዛ ነቲ ማርያም ሕራይ ከምዝበልካዮ ይኹነለይ ብዝብል ፍጹም ናይ ተኣዝዞ ቃላት ኣቢላ ከምቲ ቅዱስ ሮማኖ ዝደረሶ ማኅሌት ዝብሎ “ወላዲተ ኣምላክን ናይ ሕይወትና ዓንጋሊትን” ብምዃና ቤተ ክርስትያን ንማርያም እተብዕሎ ዓቢይ በዓልን እትማኅለሎ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኣብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ቅድስ ሶፍሮኒዮስ ዘኢየሩሳሌም ቅዱስ መንፈስ መሕደሪኡ ስለ ዝገበራ በዚ ምኽንያት ዕብየት ማርያም እንክውድስ “ንስኺ እቲ እግዚኣብሔር ካብ ዝዓደሎ ጸጋ ኹሉ ንላዕሊ ዝኾነ ጸጋ ክትቕበሊ ዝተሓረኽን በቲ ኣባኺ ዝሓደረ እግዚኣብሔር እዚኺ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝሃብተምኪ ኢኺ” ይብል።
ቅዱስ ቤዳ ዘክቡር (672 ዓ.ም. - 735 ዓ.ም.) ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ ዘብላ እቲ እግዚኣብሔር ዝኾነ ወልድ ክትወልድ ዘብቕዓ ጸጋ ባህታ ክብሪ ድንግልናኣ ኢዩ ቢሉ ይገልጻ።
ንዓና እውን እቲ ኣብ ሕይወትና ክንነብሮን ክነንጸባርቖን መታን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ኤፈሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምዕ.1 ካብ 3 ክሳብ 5 ኣብ ዘሎ ፍቕዲ “እቲ መንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን ብሩኽ ይኹን። ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ኽንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኃረየና። ስለ ዘፍቀረናን ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረን ከኣ ንርእሱ ውሉድ ክንኮኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና።” ምልኣተ ጸጋ ዝተዓደልና ኢና። እዚ ውሉድነት’ዚ ብምሥጢረ ጥምቀት ብቤተ ክርስትያን ኣቢልና እንቕበሎ ኢዩ። እዚ ንምርግጋጽ ድማ ቅድስቲ ሂልደጋርዳ ዘቢንገን (1098 ዓ.ም. – 1179 ዓ.ም.) “ቤተ ክርስትያን ንጽሕት ኣደ ኩሎም ክርስትያን ኢያ። ብምሥጢራዊ ኃይሊ ኣቢላ ጸኒሳን ወሊዳን ደቂ እግዚኣብሔር ተባሂሎም መታን ክጽውዑ ድማ ንእዚኣብሔር ተወፍዮም” ትብል።
ናይ ማርያም መንፈሳውነት ጽባቔ ካብ ዘዘየሙ ማኅሌታውያን ኣዚዩ ዝዝከር ቅዱስ በርናርዶ ዘኪያራቫለ (1090 ዓ.ም. – 1153 ዓ.ም.) “ሰላም ነኣኺ ኦ ማርያም ምልእተ ጸጋ ማለት ብእግዚኣብሔርን ቅዱሳት መላኽትን ዘርኢ ሰብን ተፈታዊት ቅብልትን፣ ንዘረኢ ሰብ ብኣደነታ ንቅዱሳት መላእኽቲ ብድንግልናኣ ንእግዚኣብሔር ብትሕትናኣ ቅብልትን ተፈታዊትን እንክብል ይገልጻ ቢሎም፣ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ፈጸሙ ንኹሎም ኣብቲ ጸሎት ንኽሳተፉን ኣስተምህሮኦም ንኽቕበሉ ዝተረኽቡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምእመናን ብዝተፈላለየ ቋንቋ ሰላምእታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.