2011-12-08 15:43:57

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ማርያም ኣብ ናይ ወዳ ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስ ዓወት ኣብ ልዕሊ “ሓጢኣትን ሞትን” ሙሉእ ብሙሉ ኅብረት ኣለዋ።


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በቶም ጽንሰታ ለማርያም ብትንቢት ዝተናገሩ ቅዱስት ዳዊትን ነቢይ ኢሳያስን ነቢይ እዝቅኤልን ሙሴን ሓውልቲ ዝተዓጀበት ኣብ ከተማ ሮማ እትርከብ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ጻዕዳ ዕንበባ ኣንቢሮም ነቶም ኣብኡ ዝተኣከቡ ናይ መንግሥትን RealAudioMP3 ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ደናግልን ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ በቢ ዓመቱ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣደባብይ ስፓኛ ዘላ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ፊት ንእኖ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣዴናን ብምርኻብ ምእንቲ ክብራ ብሓባር ምጽላይ ቅዱስ ባህሊ መሠረት ንዝተረኽቡ ዝተፈቐርኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንዅሎምን ነቶም ብመንፈስ እውን ንዝሓበሩን ብመራኸቢ ብዙሓንእ ኣቢሎም ንዝከታተሉ ልባዊ ሰላምታ ብምቕራብ፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎተይ ብምሕባርኩም እመስግነኩም ኢሎም።
እታ ኣብ ኣደባባይ ስጳኛ ዘላ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ዮሓንስ ራእይ ምዕራፍ 12 ፍቕዲ ሓደ “ዓቢይ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፥ ፀሓይ ዝተወንዘፈት ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት ዓሠርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ከም ኣኽሊል ኣብ ርእሳ ዝደፍአት ሓንቲ ሰበይቲ ተራእየት።” ዝብል ቃል እተመልክት። በቲ ሓደ እኖ ኣምላኽ ቅድስቲ ንጽሕት ድንግል ማርያም ከምኡ እውን ቤተ ክርስትያን እትወክል ኢያ።
እታ ኣብቲ ዝተነበ ተጠቒሳ ዘላ “ሰበይቲ” ቅድስት ማርያም ከምዝኾነት ዘየጠራጥር ኢዩ። ፀሓይ ዝተወንዘፈት ክብል እንከሎ እግዚኣብሔር ዝለበሰት፣ ማርያም ብብርሃን እግዚኣብሔር ዝተኸበትን ኣብ እግዚኣብሔር እትነብር ምዃና ኢዩ ዝገልጽ፣ እቲ ዝተወንዘፈቶ ፀሓይ ዝዝርግሖ ብርሃን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝዓሰላ ምልክት ምልእተ ጸጋ ኢዩ። ቀዳማይ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 1፣ 5 “እግዚኣብሔር ብርሃን ኢዩ” ይብል። ስለዚ ድማ “ምልእተ ጸጋን ንጽሕትን” ብኩለመናኣ ናይቲ ፀሓይ ንሱ ድማ እግዚኣብሔር ብርሃን እተንጸባርቕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ።
ወረኂ ብእግራ ዝረገጸት ክብል እንከሎ፣ ውርኂ ናይ ሞትን ወዋትነት ምልክት ኢዩ። ማርያም ምስ ናይ ወዳ ጎይታና ኢየሱስ ክርቶስ ዓወት ኣብ ልዕሊ “ሓጢኣትን ሞትን” ሙሉእ ብሙሉ ኅብረት ዘለዋ ካብ ሞት ናጻን ሕይወት ዝመልኣ ከምዝኾነትን እዚ ድማ እቲ ኣብ ሮሜ ምዕ.6፣ 9 “ከመይ እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንሥኤ ክርስቶስ መሊሱ ከም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ሥልጣን የብሉን” ዝብል ቃል ዘረጋገጾ ዓወት ኢዩ ዘመልክት።
ማርያም ኣብ ሕይወታ ቅድም ብዘይ ኃጢኣት ኣዳም ምጽናሳን እቲ ካልኣይ ድማ ብነፍስን ሥጋን ኣብ ክብሪ ከምእትርከብ ብዝገልጽ ኩነት ዝረጋገጽ ዓወት ኢዩ። መላእ ምድራዊ ሕይወታ እውን ኣብ ኣገልግሎት ከምእተጸምደትን እቲ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 10፣ 10 “ሕይወት መታን ኪረኽባን ብምልኣትውን ምእንቲ ኪረኽባ እየ ዝመጻእኩ” እንክብል ዝገለጾ ሕይወት ዝነበረቶ ምዃና ኢዩ ዝገልጽ።
ዓሠርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ከም ኣኽሊል ኣብ ርእሳ ዝደፍአት፣ እዚ ዘውዲ ከዋኽብቲ 12 ነገደ እስራኤል ዝገልጽን ማርያም ድማ ኣብ ማእከል ሕዝበ እግዚኣብሔርን ኣብ ኩሎም ሱታፌ ቅዱሳንን ምዃና ዝገለጽ፣ ቤተ ክርስትያንን ናይ ኵሉ ዘመን ማኅበረ ክርስትያንን ዝውክል ምልታክታ እውን ኢዩ። ማርያም ከምቲ ኣብ ማሕጸና ሒዛን ዝወለደቶን ከምኡ እውን ቤተ ክርስትያን ከም ናይ ማርያም ምድራዊ ሕይወት ተጓዓዚት ስደትን መከራን ኣብ ዝመልኦ ዓለም ብእግዚኣብሔር እናተጸናንዔት ንኣሕዛብ ክርስቶስ ከምእተቕርብ የረጋገጸልና።
ስለዚ ኢዩ ድማ ቤተ ክርስትያን ኢየሱስ እተቕርብ ብምዃ ተጻብኦን ኃይሊ ተቓውሞ ብራእያዊ ኣዘራርባ ድማ “ቀይሕ ገበል” (ራእይ ምዕ. 12፣ 3) ዘጋጥማ ምዃኑ ኢዩ ዘነጽር፣ እዚ ቀይሕ ገበል “ንሳ ንዅሎም ኣሕዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮኦም ዘለዎ ወዲ ወለደት እቲ ወዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዙፋኑን ተመንጢሉ ተወስደ” ነዚ ወዲ ክውሕጥ ብኸንቱ ዝደኸመ ገበል ከምዝኾነን፣ ምኽንያቱ ድማ ኢየሱስ ብሞቱን ትንሣኤኡን ናብ እግዚብሔር ዓሪጉን ኣብ የማናይ ኢድ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኢዩ። እዚ ንሓዋሩ ዝተሣዕረ ገበል፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ - ቤተ ክርስትያን ኣጽዋራቱ የቕንዕ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ቤተ ክርስትያን ብሓሊን ብርሃንን እግዚኣብሔርን ተሰንያ እቲ ምድረ በዳ ብቓሉን ሥጋሁ ወደሙን እናተመገበት ትሰግሮ። ስደትን መከራን ዘጋጥማ እውን እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ስደትን መከራን ዘጋንፎ ዘሎ ማኅበረ ክርስትያን ዋሕስ ፍቕሪ ኣምላኽ ከምዝኾነ ዘነጽር ኢዩ ኢሎም።
ቤተ ክርስትያን እቲ ኣዚዩ ከፍራሓ ዘለዎ ካብ ኣባላታ ዝመጽእ ሓጢኣት ኢዩ። ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ዝተጸንሰት ማርያም ካብ ኩሉ ኣበር ኃጢኣት ናጻ ኢያ፣ ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ኢያ፣ እንተኾነ ግን ብኃጢኣትና እትትንከፍ ኢያ። እቲ ኣብዚ ዓለም ነጋዳይ ዝኾነ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናብታ ናይ እምነት መካይድቲ ሰማያዊት ኣደ ኣብ ክርስትና ሕይወቱ ክነቕሕን ክተብዕን ኣብ ተስፋ እምነቱ ክጸንዕ መታን ናብኣ ይምሕጸን፣ ቢሎም ኦ ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ዝተጸነስኪ ማርያም ንኣና ናባኺ እንምሕጸን ዘሎና ጸልይልና ምስ በሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.