2011-12-06 16:04:23

ቅድስቲ መንበር አባል ሀገራት ሐቆፍ ማሕበር ስደተኛታት ከም ዝኾነት ተገሊጹ፡


ቅድስቲ መንበር ናይቲ አብ ስዊትጸርላንድ አብ ከተማ ጀነቭ ዝርከብ ሀገራት ሐቆፍ ማሕበር ስደተኛታት አባል ከም ዝኾነት ተገሊጹ።

ቫቲካን አባል ሀገራት ሐቆፍ ማሕበር ስደተኛታት ንምኳን ሐቲታ ከም ዝነበረት ይዝከር።እቲ ንሐልዮ ስደተኛታ ዝቆመ ሀገራት ሐቆፍ ማሕበር አብ ሐፈሻዊ ጉባኤኡ ንአባልነት ቫቲካን ብሕደ ድምጺ ከም ዝተቀበሎን ዘጽደቆን ካብቲ ማሕበር ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

አብቲ አብ ስዊጸርላንድ አብ ጀነቭ ዝርከቡ ተቅዋማት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አባልነት ቫቲካን ማሕበር ስደተኛታት ዘተኮረ መግለጺ ክህቡ ከለዉ

አብዚ ግዜ”ዚ አብ ዓለም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ፍልሰተ ህዝቢ አብ ዝርአየሉ ዘሎ ግዜ ቫቲካን ናይዚ ንሐልዮ ስደተኛታት ዝቆመ ሀገራት ሐቆፍ ማሕበር አባል ብምኳን ፍሉይ ና ቅድስቲ መንበር አበርክቶ ንምሃብ ተሐሲቡ ኢዩ።

መሠረታዊ ፍታሕ ሽግር ስደተኛታት ብሞራል ዝተሰነየ ክኸውን ስለዘለዎ ብምሕሳብ ንአብነት ካብ ሰሜናዊ አፍሪቃን ብሐፈሻ ካብ ሀገራት አፍሪቃ ብፍላይ ካብ ሀገራት ቀርኒ አፍሪቃ ቀይሕ ባሕሪ አቓሪጾም ንየመን ክስገሩ ፡

ካልኦት ምድረ በዳን ማእከላይ ባሕርን አቃሪጾም ንምዕራብ ኤውሮጳ ክስደደዱ ክብሉ ዝጠፍኡ ዘለዉ ስደተኛታትን አብ ግምት ብምእታው ቫቲካን ምሉእ አባል ሀገራት ሐቆፍ ማሕበር ስደተኛታት ብምኳን አብ መሠረታዊ ፍታሕ ናይዚ ተርእዮ”ዚ ተሳታፊ ንምኻን ዓላማ ዘለዎ አባልነት ከም ዝኾነ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አገንዚቦም።

ብመሠረቱ ቫቲካን አብ ዝተፈላለዩ ሀገራት ሐቆፍ ተቅዋማት ብቀዋሚ ብተዓዛቢ ደረጃ ከም ትሳተፍ ስለ ዝፍለጥ አብዚ ንሐልዮ ስደተኛታት ዝቆመ ማሕበር ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ከም አባል ዝተመዝገበትሉ ምኽንያት መብርሂ ክህቡ ዝተሐቱ አብ ጀነቭ ዝርከቡ ተቅዋማት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ክምልሱ እንከለዉ

ናይዚ ማሕበር”ዚ አውራ ተልእኾ ማሕበራዊ ስለ ዝኾነ ቫቲካን ክአ ምስቲ ማሕበር ተሐባቢራ ማሕበራዊ ሽግራት ክትፈትሕ ስለትደሊ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ ካብ ተዓዛቢ ፡ አባል ብምኳን እትሰርሖ ስራሕ የድምዕ ዝብል ኀልዮ ማለት ክልሰ ሐሳብ አብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ ገሊጾም።

አተሐሒዞም ብዙሐት ካቶሊካውያን ተቅዋማት አብ ዝተፈላለየ ክሊታት ዓለም ንስደተኛታት ሰብአዊ ረዲኤት ከም ዘቅርባ አመልኪቶም ክአ ጉዳይ ስደተኛታት ዝበለጸ አተኩሮ ዘድልዮ ሰብአዊ እዋናዊ ዓለም ለኻዊ ሽግር ከም ዝኾነን አመልኪቶም ።

ሽግርን ስቃይን ውጽዓን ስደተኛታት መዕለቢ ክረክብ አብቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዝህብዎ ትምህርቲ ብዙሕ ግዜ ከም ዝተጠቅሰ ዝዘከሩ ሊቀ ጳጳሳ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ቫቲካን አባል ናይዚ ንሐልዮ ስደተኛታት ዝቆመ ሀገራት ሐቆፍ ማሕበር ምኻንን አብዚ ዓውዲ”ዚ ጭቡጥ ስራሕ ምብርካትን ናይቲ ርሊጳ ዝህብዎ ትምህርቲ መቀጸልታ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ንጹር ክኸውን ዘለዎ ጉዳይ ይብሉ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ቅድስቲ መንበር ብጉዳይ ስደተኛታት ክትዛረብ እንከላ እምነቶም መንነቶም ዓሌቶም ብዘይምልከት ሰብአዊ ክብሮምን ግርምኦምን ክዕቀብ ከም ትደሊ ኢዩ ።

ስደተኛታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ትውልዲ ሀገሮም ዝተዘናበሉ ስደተኛታት አብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ሐጎጽጎጽ ጥሜትን ጽምእን ስቃይን ክግታእ ፡ አብተን ዑቅባ ዝህብኦም ሀገራት ሰብአዊ መሰሎም ክዕቀብ ክሰርሑ ምስቲ ዝነብርሉ ሕብረተ ሰብ ተወሃሂዶም ብሰላም ምእንቲ ክነብሩ ቅድስቲ መንበር ክትጽዕር ከም ዝኾነት ክአ አመልኪቶም ።



አተሐሒዞም ማሕበራዊ አገልግሎት ነቶም ናይ ብሐቂ ሰብአዊ ረዲኤት ዘድልዮም ስደተኛታት ክውሃብ አብዚ አገልግሎ”ዚ ንጹርን ጽፉፍን አድማዕን አገልግሎት ክህሉን ክውሃብን ከም ትጽዕር ክአ ሐበሬታ ሂቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.