2011-12-03 12:55:18

ሓቀኛ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት እምነትን ርድኢትን ከምዝመላልኡ ከረድእ ኣለዎ፣


ዓለምለኸ ኮሚሽን ትምህርቲ ንባበ መለኮት ዓመታዊ ሥሩዕ ጉባኤኡ ድሕሪ ምክያድ ትማሊ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦም፣ ቅዱስነቶም ቤተ ክርስትያን ኣብ ኅብረተሰብ ወንጌላዊ ምስክርነት ክትህብ ዘለዋ ህያው ኣካል እምበር ብሥነ ሓሳብ ጥራይ ትረኤ ኣይኮነትን፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ናይ እምነትን ርድኢትን ምውህሃድ ብግዲ የድሊ፣ እዚ ከአ ኣንጻር ዝኾነ ሕሉፍ እምነት ክኸውን አለዎ፣ ሓቀኛ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ከኣ እምነት ብዘይ ርድኢት ወይ ርድኢት ብዘይ እምነት ንዝብሉ ናይ ሕሉፍ እምነት ወይ ጥርኑፍነት ከኣሊ ኣለዎ፣ እንክብሉ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።
ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ጊዜ ብቑዕን ተኣማንን ኣስተንትኖ ናይ ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ከዘድልይዋ እውን አመልኪቶም፣
“ብዘይ ቅርዑይን ኃያልን ኣስተንትኖ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ቤተ ክርስትያን ብምልኣት ናይ እምነትን ርድኢትን ውህደት ክትገልጽ ኣይምኸኣለትን፣ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ብዘይ ናይቲ መሠረት ህላዌ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ምእዛዝን ምስኣ ምውህሃድን ትምህርቲ ንባበ መለኮት ንጸጋ እምነት ብቑዕ መረዳእታ ክህብ እምበይምኸኣለን” ቢሎም።
ኣብዚ ዘመነ ምጽኣት ነፍሲ ወከፍ ሊቅ ትምህርቲ ንባበ መለኮት “ናይ ምጽኣት ሰብ” ብምዃን ነቲ ተስፋ ናይ ትጽቢት ሕይወት ክህቦ ከምዘለዎ ምዒዶም፣ ኣብቲ ዝተገብረ ጉባኤ ካብ ዝተላዕሉ ኣርእስታት ሓደ “ሕቶ ሓድነት እግዚአብሔር ብክርስትያናዊ ምሥጢረ ሥላሴ ይግለጽ” ንዝብል ብምዝካር ከኣ፣ “ሽሕኳ ኣብ ዓለምና ዘሎ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ግጭታት ነቲ ፍሉይ ክርትያናዊ ሓሳብ ናይ እግዚአብሔርን ብእስትንፋሱ ዝቆመ ሰብአውነትን ተቀባልነቱ ዘጸግም እንተገበሮ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኩሉ ፍጥረት ብመንፈስ ቅዱስ እህህ እናበለ ዝገልጾ ሓቅነት እግዝአብሔር አብ ከለልይዎ ይኽእሉ” ስለዚኸስ “ሥላሴኣዊ ሓድነት እግዚአብሔር ሓቀኛ ምንጪ ግላውን ሓባራውን ሰላም እዩ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርትያናዊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት መንቀሊኸስ ነዚ መለኮታዊ ግልጸት እዚ ምቅባል እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ወትሩ ኣብ መንጎ እምነትን ርድኢትን ንዘሎ ምትእስሳር ተጠንቂቃ ምስ ሓለወቶ እያ” እንክብሉ እምነትን ኣእምሮን ብሓደ ከምዝጐዓዙ ገሊጾም።
“ሎሚ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ሓቀኛ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ብግዲ የድልየና ኣሎ፣ ንዝተፈላለየ ዓውዲ ሥነ ጥበብ ብምውህሃድ ነቲ ሕሉፍ እምነት ከስዕቦ ዝኽእል ንእምነት ዝጻረር ርድኢት ወይ ንርድኢት ዝጻረር እምነት ኣተሓሳስባ ክኣሊ ኣለዎ፣” እንክብሉ አድላይነት ሓቀኛ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ኣብ መደምታ ዘዘኻኸርዎ ከምቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝተዛተዩሉ ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዘመልክቶ ቤተ ክርስትያን ንማኅበረሰብ ንኽተገግል ዘለዋ ግድነት ወይ መብጽዓ ከምዝኾነ እዚ ከኣ ብሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ጥራሕ ዝረኤ ወይ እውን ኣብ ሓሳብ ጥራሕ ዝዝምቢ ዘይኮነስ ኣብ ጉዕዞ ዘመናት ብክርስትና ዝተገብረ ናይ ማኅበረሰብ ለውጢ ነቲ ብብርሃን ሓቁን ፍቅሩን ነፍሲ ወከፍ ባህልን ኅብረተሰብን ዘብርህ ጐይታ ምምጻእ ናይ ምጽባይ ሓደ መልሲ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
“ንሓባራዊ ረብሓ ናይ ኩሉ ወላውን ምስቶም ንእምነትና ዘይቅበሉ አድላዪ ምትሕብባር ምግባር የድሊ፣ እዚ ምትሕብባር እዚ ክሳብ አጸቢቁ ዝንጸር ከኣ ነቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኅብረተሰብ እተበርክቶ ከምቲ ካልኦት ናታቶም ምኽንያታት ክግለጹልና ንጽበ ንሕናውን ስለምንታይ ከምእንገብሮ ሓቀኛን ዓሚቍን ሃይማኖታዊ ምኽንያታትና ክንገልጽ አሎና፣ ንምንጪ ኅብረተሰብአዊ ኣገልግሎት ክርስትና ዝተረድኤ ምናልባት ነቲ እምነት እውን ኣብ ግምት ብምእታው ብኢየሱስ ክርስቶስ ንክአምን መበገሲ ክኾኖ ይኽእል” እንክብሉ ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ብቃልን ብግብርን ዝተሰነየ ንኣእምሮ ዘዕግብን ንእምነት ዘጽንዕን ምስክርነት ከምዘድልዩ ኣዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.