2011-12-01 14:23:17

ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ናይ ተመሃሮ ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሳልሳይ ዋዕላ


ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ክሳብ ዕለት 3 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል ትማሊ ኣብ ሮማ ጉባኤ ዓለም ለኸ ናይ ተመሃሮ ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሳልሳይ ዋዕላ ከምእተጀመረን ኣብቲ ዋዕላ ናይ ኦርቶዶክስን ኣንግሊካዊትን ወንጌላውያን ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን ልኡኻት ይሳተፉ ከምዘለዉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ RealAudioMP3 እንከመልክት፣ ብዛዕባ እዚ ዋዕላ ኣመልኪቶም ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ አንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ምእንጋድን ምትሕብባርን መደብ ምስናይ ነቶም ብናይ ትምህርትን ሙያዊ ሥልጠና ዕድል ካብ ሃገሮም ወጻኢ ንዝለኣኹን መንእሰያትን ከምኡ እውን ተወሃሂዶም ንኽነብሩን ዘብቕዖም ኣብቲ ዘእንገዶም ኅብረተሰብ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ዝብል ኣብ ዝመጽሉ ሃገር ኣብ ዘሕልፍዎ ዓመታት ምስቲ ዘሎ ባህልን ኅብረተሰብ ሓድሽ ከባብን ክላለዩ ዝኽእሎም ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሠረት ዝሕንጸጽ መደብ ዘጋጥሞ ብድሆ ንምልላይ ዝድግፍ ዋዕላ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ስለዚህ ኣብዚ መደብ ናይ ትምህርቲ ተቛማትን መምሃራንን ናይ ትምህርትን ሕንጸት ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት እውን ዓቢ ግደ ከምዘለዎም ዘተሓሳስብ ከምዝኾነን ፍልጠት ኣብ ምቕሳም ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ዝሥልጥንሉ ሞያን ዘጽንዕዎ ናይ ትምህርቲ ጨንፈር ብቕዓት ክህልዎምን ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋታት ንምጽናዕን ክስዕብዎ ዝግብኦም ናይ ሕይወት መገዲ ንኸለልዮ ዝኣመተ ኣውን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ናይ ተመሓሮ ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ ጉባኤ ኣብዞም ነጥብታት ዘማእከለ ዘተ የካይድ ከምዘሎን ሓቢሮም። ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ መደባት ናይ ተመሃሮ ምሉእ ጊዜ ዝሓትት ኮይኑ መንእሰይ ካብ ማኅበራዊ ህይወት ከይንጽሎ የስግእ፣ ስለዚህ ማኅበራዊ ሕይወትን ተመክሮን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ኣብ መንጎ ናይ ዘእንግዳ ሃገራት ተመሃሮን ስደተይናታት ተመሃሮን ባህላዊ ርክብ ምልውዋጥ ተመክሮን ክምዕብልን፣ ስደተይናታት ተመሃሮ ንናይ ዝተኣንገድሉ ሃገር ውርሻ ናይ ሕይወትን ባህልን ክቡር ዋጋታት ረብሓ ኢዩ። ኣብዚ መርገጽ’ዚ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ቤተ ጸሎትን መንፈሳዊ ሓላፍቲ ካህናትን ናይ መናብርተ ጥበብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ሓለፍቲ ግደ ዓቢ እውን እንተኾነ፣ እዚ ጉዳይ’ዚ ንኣኣቶም ጥራሕ ምግዳፍ ትኽክል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ እቲ ዓወዲ ሰብኣዊ ርክብ ሰፊሕ ኢዩ። ንበይኖም ዘርክብሉ እውን ኣይኮነን፣ ቤተ ክርስትያንን መንግሥትን ብሓባር ዝዓይሉ ባይታ ኢዩ፣ እዚ ዋዕላ’ዚ ነዚ ዘረጋገጹ መርትዖታት ዘቕርብ እውን ኢዩ ኢሎም።
ኅብረ ሃይማኖትን ኅብረ ዓሌትን ዝንጸባረቐሉ መዳይ እውን ስለ ዝኾነ፣ እቲ ዓለማውነት ምትእስሳር ኣብ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን መዳይ ዘስዕቦ ለውጥታት ብዘይ ቅድመ ኩነታውን ርእዮተ ዓለማዊ ፍርድታትን ከለልዩን ብዛዕባኡ ግንዛቤኦም ከስፍሑን ብእምነት ዝተደገፈ ሓናጺ ርእይቶ መሠረት እወታዊ አንፈታቱ ከነጽሩን ክርስትያናዊ ግልጸት ምስ ካልኦት ባህልታት ክዝትይ ዘኽእሎም ሰብኣውን መንፈሳዊ ብስለተ እውን ክረኽቡ ስለ ዝግብኦም ኣብዚ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ ሥነ ባህልታት ዝነጻጻር ብምዃኑ በዚ መሠረት ክህልዎ ዝግብኦ ምስንዳው ክሳብ ክንደይ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ምዃኑ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ዋዕላ’ዚ ነዚ ጉዳይ ግምት ብምሃብ ሓዋርይዊ ግብረ ኖሎው ሓልዮ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ዘድልዮ ምስንዳው ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርትን ዓንቀጸ ሃይማኖትን ዝተመሥረተ ኮይኑ ክቐርብ ስለ ዘለዎ ዝሓቶ ምስንዳው ጸጋ እምነት ከይዘንጋዕና ክሳብ ክደይ ዓሚዩቕ ኢዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ወንጌላዊ ልኡክነት ጸዋዕትኣ እትነብረሉ መዳይ እውን ኢዩ ኢሎም፣ ኣብዚ ዋዕላ ካብ 14 ናይ ኤውሮጳን 8 ናይ ኣመሪካን 4 ካብ እስያን 7 ካብ ኣፍሪቃን 3 ካብ ማእከላይ ምብራቕን ብጠቕላላ ካብ 36 ሓገራት ዝተዋጽኡ 135 ልኡኻት መብዛሕቲኦም ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ ሰብኣዊ ጉዳይን ናይ ተመሃሮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ሓለፍቲ፣ ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን መንፈሳዊ ማኅበራትን ዳርጋ 30 ዝገመቱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኦ ተመሃሮ ናይ ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበብ ልኡካን ዘሳትፍ ከምዝኾነ ብፁዕ ኣቡነ ቨሊዮ ሓቦሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.