2011-12-01 14:25:57

ንትግባሬ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምዕዳን “ኣፍሪካ ሙኑስ-ናይ ኣፍሪቃ መብጽዓ”


ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ በኒን ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 20 ህዳር 2011 ዓ.ም. RealAudioMP3 ኣብ ዘክየድዎ መበል 22 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን “ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈጸመ ካልኣይ ፍሉይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍርቃ ዘጽደቖም 57 ነጥብታት ንቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ምርካብ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ዝቐረበሎም ለበዋታት መሠረት ዝደረስዎን ኣብ ኣፍሪቃ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን “ኣፍሪካ ሙኑስ - መብጽዓ ኣፍሪቃ” ዘርእስቱ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንትግባሬኡ ዝመርሕ ብዝተፈላለዩ ናይ መልእ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ቋንቋን ብናይ ሃገራትን ከባብታትን ኣፍሪቃ ቋንቋታት ትርጉምን ምዝርጋሑን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ብዝብል ከይዲ ዝተሰነየ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታትን ናይ ሥነ ባህሊ ሊቃውንትን ናይ ሥነ ሰብኣውን ሥነ ማኅበራውን ሊቃውንቲ ዘሳተፈ ኣብ ኮቶኑ ዝተኻየደ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ጉባኤ ብውሳኔ ኮቶኑ ዝጽዋዕ ሰነድ ከምዘጽደቐ ተሓቢሩ።
ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. “ኣፍሪካ ሙኑስ” ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ትግባሬኡ ንምርግጋጽ ዝድግፉ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስትያን ተቛማትን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍትን ብሓደኣዊ መገዲ መሠረት ክምርሕሉ ዘብቕዖም ናይ ትርጉምን ዕደላን ትግባሬን መርሓ መገዲ ከምዝሓንጸጸ እዚ ናይ ትግባሬ ከይዲ ብኣፍሪቃ ደረጃ ናይ ምውህሃድ ሓላፍነት ድማ ብናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝምራሕ ከምዝኾነ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ክፍሊ ዜናን ማኅተምን ሓላፊ በነዲክት ኣሶሮው ከምዝገለጹ ቺሳ እተሰምየ ናይ ካቶሊክ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓበሬታ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.