2011-12-01 16:09:42

ናይ ሰማይ መሳዅቲ ንምኽፋት: ክርስትያን መሳኻኽር ናይ ጸሎት ክኾኑ ይግባእ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ረፍዲ አብ ኣዳራሽ ጳውሎስ 6ይ ብዛዕባ “ጸሎት አብ ሕይወት ኢየሱስ” ኣርእስቲ ኣብ ዘስተምሃርዎ ሶምናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ። “ክርስትያን መሰካኽር ጸሎትን ተስፋን ብምዃን ነቲ ምስ እግዚአብሔር ንከይራኸብ ተዓጽዩ ዘሎ ዓለም መማቅርቲ ክኾኑ ሓደራ” ቢሎም።
ቅዱስነቶም ምእመናን “ናይቲ ነቲ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ናይ ፍቅሪ መደብ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምስ ኣቦኡ ብዘየቋርጽ መንገዲ ብጸሎት ተዋሃሂዱ ዚነብር ኢየሱስ” አብነት ብምኽታል ምስ እግዚአብሔር ብጸሎት ክዋስኡ ኣዘኻኺሮም።
“ኣብ ጸሎትና ወትሩ ብዝበለጸ ኣብቲ ጥርዙ ኢየሱስ ዝኾነ ታሪኽ ድሕነት ክንኣቱ እሞ ነቲ ንፍቃዱ ልብና ክንከፍት፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኣቶናዮ መብጽዓ ከነሐድስ፣ ኣብ መዋዕል ሕይወትና ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕለና ዘለዎ ናይ ፍቅሪ መደብ ኣምላኽ እናተኣዘዝና ንፍቃድና ምስ ፍቃዱ ከነሰማምዕ ኃይሊ ክህበና ንለምኖ” ቢሎም።
ጸሎት ኢየሱስ ንኩሉ ነጥብታት ተልእኾኡን ነቲ ድኻም ዘይዓግቶ ዕለታዊ ውዕሎታቱን ይትንክፍ፣ ምንጪ ጸሎት ኢየሱስ ብዓንዲ ርእሱ ንሱ ወዲ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ካብቲ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ፍሉይ ውሉዳዊ ርክብ እዩ ዝምንጩ። “ጽን ምባል፣ ምስትንታን፣ ኣብ ቅድሚ ዝዛረበና ኣምላኽ ሱቅ ምባል ብቀጻሊ እናተለማመድካ እትምሃሮ ጥበብ ኣዩ። ርግጽ ጸሎት ክትቅበሎ ዘሎካ ጸጋ እዩ፣ ሥራሕ ኣምላኽ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ክንቅበሎን ክንቅጽሎን ናትና ጽኑዕ ፍቃድ የድሊ” እንክብሉ ከአ ጸሎት ክንመሀሮን ክንለማመዶን ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም።
ጸሎት ኢየሱስ ክንምልከት ከሎና፣ ኣብ ርእስና ተመሊስና፣ ከመይ ቢልና ንጽሊ? ምስ እግዚአብሔር ኣብ እንገብሮ ርክብ ክንደይ ዝኸውን ግዜ ነወፊ? ቢልና ርእስና ብምሕታት ኣብ ከባቢና ንዝርከብ ዓለም ክነብርህ ክንጽሊ ግድን እዩ።
“ሎሚ ክርስትያን ኩሎም ዓለምና ንመለኮታዊ ነገራትን ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሕ ተስፋን ልቡ ዓጽዩ ስለዘሎ መሰካኽር ጸሎት ክንከውን ንጽዋዕ አሎና፣ ምስ ኢየሱስ ብዘሎና ዓሚቍ ዕርከነትን ነቲ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ ኣባኡን ምሳኡን እናነበርና ብእሙንን ቀጻልን ጸሎትና ናብ ሰማይ እግዚአብሔር መሳዅቲ ክንከፍት ንኽእል” እንክብሉ መንገዲ ጸሎት ነቶም ካብ እግዚአብሔር ርሒቆም ንዘለው እውን ከይተረፈ ሓዲስ መንገዲ ክኸፍት ከምዝኽእል ዝሃብዎ ምትብባዕ ኣሓዲሶም።
አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፣ “ዝኸበርኩም ኣኅዋትን ኣኃትን፣ ምስ እግዚአብሔር ጽዑቕ ርክብ ንምፍጣር ንመሃር፣ እዚ ከአ ሓሓሊፍካ ብዝግበር ጸሎት ዘይኮነ ከምቲ ኢየሱስ ዝምህረና እምነት ብዝመልኦን ሕይወትና ከብርህ ዝኽእል ቀጻሊ ጸሎት ክከውን አለዎ፣ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ንእንረኽቦም ኣብ ከባቢ ንዘለው ሰባት ከኣ ነዚ ናይ ሕይወት መብራህቲ ዝኾነ፣ንጐይታ ብምርካብ ዝርከብ ሓጎስ ከነካፍሎም ከኽእለና ንለምኖ” እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.