2011-11-29 15:05:06

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንመንእሰያት “ንውሑስ ብሉጽ መጻኢ፣ ከባቢ ምኽባር ተመሃሩ”።


ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘ ኣሲዚ ነቲ ብእግዚኣብሐር ዝተፈጥረ ተፈጥሮ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ኽንክንን ፍቅርን መሠረት ገይሩ ኣብ 1992 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ናይ ዝቖመ “ሓብትና ተፈጥሮ” ዝተሰምየ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ዘነቓቕሕ ማኅበር ልዕሊ 7 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ኣባላቱ ትማሊ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦምን መሪሕ ቃል ከምእተለገሰሎም RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ርክብ ተፈጥሮ ሓብትና እተሰምየ ማኅበር ዘዳለዎ ምዃኑ እውን እንክንገር ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ካብ ኩሎም ቅዱሳት ዝያዳ ኢጣልያዊ፣ ካብ ዜጋታት ኢጣሊያ ዝያዳ ቅዱስ ቢሎም ከምዝሰመይዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣባላት መንእሰያት ሓብትና ተፈጥሮ እተሰምየ ማኅበር ኣብ ዘቕረብዎ መሪሕ ቃል ዘኪሮም፣ ዘርኢ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ጽባቔ ኣስተውዒሉን ብኣኡ ተመሲጡን ነቲ ዝፈጠሮ “እግዚኣብሔር” ክሓስብ ዝብል ዓሚዩቕ መንፈሳዊ ርድኢት መሠረት ገይሩ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘ ኣሲዚ ካብ ተፈጥሮ ናብቲ ዝፈጠረ ንምብጻሕ ዓሚቱ ጥራሕ ዘይኮነስ እዚ መንፈስ’ዚ ንተፈጥሮ ዘሎና ፍቕርን ክንክንን መሠረት ክኸውን እውን ከምዘሓነጸ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም፣ እቶም ኣባላት ናይቲ ሓብትና ተፈጥሮ ማኅበር ናይ ተፈጥሮ ኣመሓደርትን ሓለውትን ምዃኖም ተኣሚኖምን፣ በዚ መሠረት’ዚ ምስ ተፈጥሮ ዘለዎም ርክብን ኣጠቓቕማ ተፈጥሮን ከምዝፍጽሙ፣ ምኽባርን ምክንኻንን ተፈጥሮ ሎሚ እቲ ክገሃስ ዘይብሉ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ክቡር ዋጋ ኢዩ ኢሎም። ኵሉ ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮ ሓላፍነት ዝሰረጾ ዓይነት ኣነባብራ ከነቕውም ዘብቕዓና ሕንጸት መሠረት ገዛእ ርእስና እንተድ ዘይተሓነጽና ኣብዛ መሬት ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሰናይ መጻኢ ክህሉ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። ስለዚህ እቲ ኃላፍነት ዝሰረጾ ዓይነት ኣነባብራ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ሥድራን ቤትምህርትን ኢዩ ዝቕሰም ኢሎም።
እቲ ዘደንቕ ሓረግ-ሕይወት ፍረ ወይ ድማ ሳዕቤን ናይ ሓደ ዕዉር ፍልቀትን ዘይ ርትዓውን ዘይኮነስ ኅልው ዝገበሮ ጠቢብ ኃይልን ፍቅርን ዘንጸባርቕ ኢዩ። ስለዚህ ድማ ሥነ ምርምርን ሥነ ድልያን ኣብ ናይ ሥነ መጽናዕቲ ጉዕዞኦም ክሳብ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ናይ ፈጣሪ ኣሰር ዘኽብሩ እወታዊ ኢያቶም። ሰብ ኣብ ዕዮኡ ተሓባባሪ እግዚኣብሔር ምዃኑ ክዝንግዕን ንተፈጥሮ ክዕምጽ ብዘሕዝን ተግባር ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝርኤ ነቲ ወትሩ ኣብ ሰብ እውን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ መጉዳእቲ ከለዓዕል ይኽእል ኢዩ።
ካብ ዝሓለፈ ሎሚ ብዝያዳ ከባቢ ምኽባር ኣፍልጦ ነቲ ዘይግሃስ ንናይ ሰብ ሰብኣዊ ክቡር ዋጋ ኣብ ኩሉ ናይ ሕይወት ምዕራፍን ኩነትን ክዝንጋዕ የብሉን፣ ንሰብን ተፈጥሮን ምኽባር ሓደኣውነት ዘለዎ ተግባር ኢዩ። እዞም ክልተ ክቡራት ዋጋታት ክምዕቡሉን ናይ ገዛእ ርእሶም ቅኑዕ ዓቐን ዝህልዎም ኣብ ፍጥረት ሰብን ተፈጥሮን ፈጣርን ፍጥረቱን ነኽብር እንተድኣ ኮይና ኢዩ። ስለዚህ ክቡራት መንእሰያት ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሓቀይና ናይ ሕይወትን ተፈጥሮን ሓለውቲ ኪዳን ኣባኻትኩም ይረክብ ኢሎም።
ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዕለት 29 ኅዳር 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘ ኣሲዚ ናይ ሥነ ምኅዳር ሓላዊ ቅዱስ እንክብሉ ከምዝኣወጁን ከምኡ እውን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ማለት ናይቲ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝተፈላለያ ናይ ተራድዖ ማኅበራት ዝጥርንፍ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ግብረ ሰናይ ሊቀ መንበር ናይ ሆንዱራስ ርእሰ ከተማ ተጉቺካልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሮድሪጕዝ ማራዲያጋ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና ዓንቀጽ 338 ምንጪ ባህሊ ፍራንቸስካዊ ዘለዎ ሓሳብ መሠረት ዘቕረብዎን ዝጸደቐ መምሪሕ ቅዱስ ኣቦና ዘኪሮም፣ ናይቲ ብቕዱስ ፍራንቸስኮስ ዝተደርሰ ሓው ጸሓይ እተሰምየ ማኅሌት ጠቒሶም፣ እዚ ማኅሌት ቅዱስፍ ራንቸስኮስ ናይ ፈጣሪ ግቡእ ቦታ ዘድምዕ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ነቶም መንእሰያት እቲ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘ ኣሲዚ ማኅሌት ክፍሊ ባህልኹምን ሕንጸትኩም ምዃኑ ዝገልጽን፣ ቅድሚ ዅሉ ግን ልቢ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ክዛረብን ኣብ ፍጥረት ኣሰር ናይቲ ፍጹም ዓቢይ ሰማያዊ ሥነ ጥበበይና ዘርእይ ጸሎት ኢዩ። ኣማኒ ቅዱስ መጽሓፍ ሓው ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘ ኣሲዚ ተፈጥሮ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ጽባቔኡን ለጋስነቱን ዝዛረበና ዘድንቕ መጽሓፍ ምዃኑ ይሕብረና ኢሎም ሓዋርያዊ ቡራኪ ሂቦም ክምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.