2011-11-26 16:00:56

ግብጺ፦ ተቓውሞ ሕዝቢ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር


ኣብ ግብጺ ነቲ ንናይ ሆስኒ ሙባረክ መንግሥቲ ካብ ሥልጣኑ ዘውረደ ሕዝባዊ ናዕቢ ነቲ ናይ ጊዚያዊ ሥልጣን ተረኪቡ ዘሎ ወታደራዊ መንግሥቲ፣ ሥልጣን ንሕዝቢ ከሠጋግር RealAudioMP3 ዝሓትት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዳግም ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 19 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ከምዝተበገሰን ምስ ሓይሊ ጸጥታ ብዝተፈጥረ ውጥረት ምኽንያት 41 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶም ኣንክንገር፣ ትማሊ ዓርቢ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጽዓት ኣቶም ተቖጻጻሪ ማኅበር ነበር ሊቀ መንበርን ናይ ግብጺ ሕጹይ ርእሰ ብሔር ኤል ባራደይን ብሕዝቢ ተቐባልነት ዘለዎም ካልኦት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝተረኽቡሉ በኣሽሓት ዝግመቱ ዜጋታት ግብጺ መዓልቲ ጸሎት ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ከምእተፈጸመን እንክንገር፣ ኣብቲ ዝተኻየደ መደብ መዓልቲ ጸሎትን ኣብ ዝከየዱ ዘለዉ ሕዝባዊ ተበግሶታትን እቶም ነቲ ናይ ጊዚያዊ ወታደራዊ መንግሥቲ ሥርሒት ዝድግፉ እስላማዊ ሕወነትን ካልኦት ናይ ምስልምና ሃይማኖት ማኅበራትን ከምዘይተሳተፉ ተሓቢሩ።
ማኅበርሰብ ዓለም፣ ግብጺ ካብቲ ወዲቓትሉ ዘላ ጽንኩር ኩነት ብፍላይ ድማ ካብ ማኅበራዊ ውጥረት ክትላቐቕ ብሔራዊ ማኅበረሰብ ግብጺ ምሉእ ኃይሉ ከተሓባብር ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ይንገር። ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ታሪኽን ናይ ኣፍሪቃ ሥርዓት መንግሥታት ታሪኽ መምህር ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ኣና ቦኖ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ኩነት መሠረት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ ሕዝባዊ ድምጺ ናይ ግድን ወሳኒ ኢዩ። እንተኾነ ግን እቶም ወደርቲ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ካብቲ ኣዚዮም ዝጸልውሉ ውሱን ከባብታት ወጻኢ ተፈላጥነት ክረኽቡን ናይ ፖለቲካ መደባቶም ንምሉእ ሕዝቢ ግብጺ ከፍልጡ ዕድል ዝህብ ጊዜ ናይ ግድን ኣድላዪ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ ክነጥፋ ስለ ዘለወን ድማ ሕዝባዊ ምርጫ ጊዜ ዝሓትት እዩ። ሓለዋን ውሕስነትን ሥርዓት ዴሞክራሲ ኣብ ኢድ ኃይሊ ምክልኻል ዝብል ውሳኔ ሕዝቢ ዝቐበሎ ኣይኮነ፣ እቲ ዘቖጥዕ ዘሎ ድማ እዚ ኣብ ኢድ ኃይሊ ምክልኻል ወዲቑ ዘሎ ናይ ዴሞክራሲ ውሕስነት ሥልጣን ኢዩ። ሕዝቢ ዝሓቶ ዘሎ ናብ ሥርዓት ዴሞክራስን ናጻ መንግሥቲ ሥልጣን ኢዩ። እቲ ናጻ ሕዝባዊ ሥልጣን ንሓጺር ወይ ድማ ነዊሕ እዋን ኽኸውን ኣለዎ ዝብል ኢዩ እቲ ቀንዲ ሕዝባዊ ሕቶ ኮይኑ ዘሎ እንክብላ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደማ።







All the contents on this site are copyrighted ©.