2011-11-24 15:27:30

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ (23/11/2011)
“ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ተስፋ ንዝዓሰሎ ብሩህ እዋን ቀንዲ ተዋሳኢት”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዕለተ ረቡዕ 23 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቲ ልሙድ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕራብ፣ ነቲ ገና ኣብ ተዘክሮኦም ኅልው ኮይኑ ዘሰንዮም ዘሎ ኩለንተናኻ ዝትንክፍ RealAudioMP3 ናይ እምነትን ኅዳሴን ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረጋግጽ ተመክሮ ምዃኑ ብዝገልጽ ጥልቂ ሓሳብ መሠረት ገይሮም፣ ናይቲ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 20 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገረ በኒን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ተመክሮ ንመላእ ቤተ ክርስትያን እንከካፍሉ፣ ኣብዚ እታ ክፍለ ዓለም ዘላትሉ መስቀለይና ኣዋን’ዚ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዘላ ቤተ ክርስትያን ምስቲ እትፍጽሞ ለጋስ ጻዕረይና ኣገልግሎት ወንጌል ተስፋ ንዝዓሰሎ ብሩህ እዋን ቀንዲ ተዋሳኢት ከምእትኸውን ሓቢሮም። ኣብቶም ናይ ቤኒን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናን ሕይወት ሕጉስን ጽኑዕን ናይ ሓዋርያነት መንፈስ ከምዘሎ ቀሪቦም ከረጋግጹ እውን ከምዝኸኣሉ ቅዱስነቶም ገሊጾም።
ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ንሕይወት ሕራይ ዝብልን ናይ ሃይማኖትን ተስፋን ሓድሽን ውዕዉዕን መንፈስ ዝረኣየላ፣ ብዛዕባ ክንየው ምዃንነት ማለት ተፈጥሮ ብኃንደበታዊ ምቛም ዝኾነ ኢዩ ዘይብል ብዛዕባ ክውንነት ናይ ገዛእ ርእሱ ርድኢት ዘለዎን ክውንነት ምስ እግዚኣብሔር ብሙልኡነት ዝብል ኣቃልቦ ዘንጸባርቕ እምበር ንክውንነት ብፋይዳኣውነት ብዝምራሕ ኣመለኻኽታ ዘናሽው ከምዘይኮነ ገሊጾም፣ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኣይዎ ትርጉም ተስፋ ነዚ ይመስል። እታ ኣፍሪቃዊት ክፍለ ዓለም፣ ሕዝቢ ዓለምን ቤተ ክርስያን እውን ተኣማንነት እተንብረሉ ንናይ መጻኢ ናይ ሰብኣውነትን ሕይወትን ቀመጥ ምዃና ኣረዲኦም።
ካብቲ ናይ ቤኒን ሓዋርያዊ መገሻኦም ተዘክሮ ዘይሕከኽ ተመክሮ ድማ ምብጻሕ ኣብቲ ዓቢይ ናይ ወዲ ቤተ ክርስትያን ክቡር ወዲ ቤኒንን ኣፍሪቃን ነፍሰ ኄር ብፁዕ ካርዲናል ጋንቲን መቓብር ሥፍራን ኣብኡ ዝፈጸመዎን ጸሎት ምዃኑ እውን እንክገልጹ፣ ዘይርሳዕ ክቡር ተዘክሮኣም ካብ ትማሊ ሎሚ ኣብታ ኣቦ ተባሂሎም ዝሕሰቡላ ሃገሮምን መላእ ኣፍሪቃን ኅያው ከምዝኾነ ገሊጾም።
ቀጺሎም እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ኣፍሪቃ፣ መላእ ኣፍሪቃ ኩለንተናዊ ኃይላ ነቶም ገና ወንጌል ንዘይበጽሖም ኣብ ምብጻሕ ንዝኣመተ ተግባር ከውዕሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፣ ማኅበረ ክርስትያን ኣፍሪቃ ንፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ክተግሁ ከምዘተሓሳሰቡ ዘኪሮም፣ እቲ ናይ ዕርቂ መንፈስ ኣብ መዳይ ማኅበራውን ከምኡ እውን እቲ ንተስፋ ክፉት ምዃን ዘድልዮ መዳይ ማኅበራዊ ፖለቲካን ኤኮኖምን ኣፍሪቃ፣ ግድነታዊ ምዃኑ ምስ ናይ ቤኒን ናይ መንግሥቲ ኣካላትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ልኡካነ መንግሥታትን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከምዘስመርሉ ኣመልኪቶም።
ቅዱስ ኣቦና ናይ መላእ ኣፍሪቃ ጉዕዞ እቲ ናጽነትን ፍትሕን ዝብል ኣብዚ እዋን’ዚ መላእ ልቢ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ዝመርሕ ዘሎ ብርቱዕ ድሌት እውን፣ ብተስፋ ዝነቓቓሕ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ምርግጋጽ ኣንቢሮም፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ሃይማኖታትን ካብ ናይ ሓባር ዘተን ሥሙር ውህደትን ብዝምንጭ ናይ ሕድ ሕድ ርክባት ዝተረጋገጸሉ ኅብረሰብ ምሕናጽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ከምዘስመሩሉን፣ ኩሉ ኣብ ኩሉ ኩነትን ከባብን ዘራእ ተስፋ ኮይኑ ክርከብ ሓደራ ከምዝበሉ እውን ገሊጾም።
እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ምስቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሽማግሌታትን መንእሰያትን ዝርከብዎም ናይ ቤኒንን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ምእመናን ብሓባር ናይ ጸሎት እዋንን እምነት ዝተበዓለሉን ከምዝኾነን፣ እምነት ከመይ ገይሩ ንዝተፈላለየ ወለዶን ከተሓባብርን፣ ንናይ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት እዋን ብድሆ ዝምልስ ከምዝኾነ ዘደንቕ ምስክርነት ዝተረጋገጸሉ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም።
ኣብ ኣፍሪቃ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ፍሉይ ንኣፍሪቃ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ፍረ ጻማ ዝኾነ ዝደረስዎ ድኅረ ሲኖዶስ ቃለ ምዕዳን ንብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳሕ ሽሓዊ ነጋዲት ቤተ ክርስትያን ወንጌላዊ ተልእኾኣ ብኣድማዕነት ክትምልስ መታን፣ እቲ ቃለ ምዕዳን ከስተንትንዎን ብምልኣት ክነብርዎን ዓሚቶም ከዘረከብቡ ገሊጾም። ኩሉ ዘይሕለል ሓናጺ ውህደትን ሰላምን ምትሕብባርን ኮይኑ ክርከብ ዝብል ቅዱስነቶም ነዘቕረብዎ ጻውዒት መላእ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን በቲ ዘለዎም ብርቱዕ እምነትን ርጉጽ ሰዓቢ ናይ ሕይወት ወንጌል ምዃኖም ብዝምስር ተግባር ብዝሃብሉ መልሲ ንመላእ ኣፍሪቃ ናይ ዘጸናንዕ ተስፋ ምልክታ ምዃኑ ክረጋግጹ ከምዘኽኣሎም ሓቢሮም።
ኣብ ቁምስና ቅድስቲ ሪታ ኣብ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ናይ ምንባር ደስታን ሓጎስን ውዕዉዕ መንፈስ ኣብቲ ናይ ኣፍሪቃ መጻኢ ዝተነብረሉ ሓድሽ ወለዶ ብምርኣይ ከምዘስተማቐሩን፣ ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ተቐቢሎም ናይቲ ኣብ ኡጋንዳ ወንጌላዊ ሕይወት ንምንባር ብዝነበሮ ድላይን ምርጫን ናይ እምነት ሰማዕትነት ዝተቐበለ ቅዱስ ኪዚቶ ኣብነት ክነብሩን፣ ንብጾቶም ኢየሱስ ክምስክሩን ሓደራ ቢሎም ከምዘተባብዑ እውን ገሊጾም።
ምስቶም ብእናቴ ብጽዕቲ ተረዛ ዘ ካሉኩታ ዝተመሥረተ ናይ ደናግል ማኅበር ኣባላት ዝመሓደሩ ዘኽታማትን ሕሙማንን በጺሖም ዝረኣይዎ ጭቡጥ ፍቕርን ምትሕብባርን ኣብ ድኻምነትን ኅላዌ ኃይልን ፍቕርን ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ክርእዩ ከምዝደረኾም ሓቢሮም።
ንብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣብ ሥድራ ቤትን ቁምስናታትን ቤተ ክርስትያናዊ ማኅበርሰብን ምንቅስቓሳትን እቲ ናይ ዝተሓደሰ መንፈስን እምነት ብዑምቀት ንምርዳእን ዝድግፍ ኩነት ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ ብቐጻሊ ኅዳሴ ከስተማቕሩ ዘብቅዖም ተበግሶታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከተባብዑ ከምዝግባእ ከምዘተሓሳሰቡ ገሊጾም ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፣ ንመላእ ተሳተፍቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምዝተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.