2011-11-22 13:33:19

ዕዉት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ በኒን፦ ተስፋ ጭቡጥ ክኸውን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 18 ሕዳር ክሳብ ዕለት 20 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብ በኒን ዘካይደዎ መበል 22 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕዉት ምንባሩ ናይታ ሃገር መንበር ረፓብሊካዊ መንግሥቲ ከተማ ኮቶኑ ሊቀ ጳጳስን ናይ በኒን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር RealAudioMP3 ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ጋንየ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም። እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ፍሉይ ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ዕርቅን ፍትሕን ሰላም ንዝብል ኣርእስቱ ዳግም ዘቓልሔን፣ ናይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሪሕ ቃል ከምዝነበረን፣ ኣብ በኒን ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዳግም ዘነቓቕሔ ጸጋ ኢዩ ኢሎም።
ምስ እግዚኣብሔርን ብጻይናን ምስ ገዛእ ርእስና ከይተረፈ እውን ሓቀይና ዕርክነት ከነቕውምን ንእግዚኣብሔር ብዕምቆት ከነፍቅርን እውነተይና ክርስትያን ክንከውን ንሓድ ሕድና ንክንፋቐር ዘነቓቕሔን እቶም ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ኣፍሪቃ ግብራዊ ግንዛቤ እተንብረሉ ከምዝኾነ ድማ ገሊጾም፣ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ በቶም ቃላት ዝተሰነየ ብምዃኑ ድማ ሕዝቢ ብዕምቆት ከምእተረድኦ እኣምን ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ናይ በኒን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ኣፍሪቃ ድኅረ ካልኣይ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንመላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝለገሱን፣ ናይቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዉም ነገር ድማ ተስፋ ዝብል ከምዝኾነን፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝንዛሕ ጅምላዊ ቅድመ ፍርዲ ቄናን ርእየትን ዝቃወም ናይ ኣፍሪቃ እወታዊ ጎድንታት ከምዘስመርሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ሕዝቢ እቲ ተስፋ ክውን ክኸውን ብኹሉ መዳይ ተጊሁ ክዓዪ ቅሩብ ምዃኑ ኣመስኪሩ ኢዩ።
ቅዱስነቶም ብናይ ቤኒን ማኅበረ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነስ ብናይታ ሃገር ምስልምና ሃይማኖትን ባህላውያን ሃይማኖታት ሰዓብቲ እውን ምዉቕ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ብዘይ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ኩሉ ሕዝቢ በኒን ሓዋርያዊ ቡራኬ ንኽቅበል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኩሉ ጎደናታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ቦታ ከምዘሰነዮም ብፁዕ ኣቡነ ጋንየ ጠቒሶም፣ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ሕይወት ዜጋ ኩል ክቃላሕን ክእንገድን ካህናትን ገዳማውያንን ምስ ሕዝቢ ኮይኖም ክዓይኑን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ከምዝግባእ ዘተባብዔን፣ ሕዝቢ እቶም ሰለስተ ቓላት ዓቢይ ክቡር ዋጋ ከምዘለዎም ብዝያዳ ዘገንዘበ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምዃኑ ከምዝኣመነሉን በዚ መሠረት’ዚ ድማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣዚዩ ክተግህ ከምዝኾነን ማኅበረ ክርስትያን ምስ እዚ ተልእኾ’ዚ ተተሓሒዙ ብዝተቐበሎ ክርስትና መሠረት ወንጌላዊ ልኡኽ ምዃኑ ኣሚኑ ክርስትና ገና ናብ ዘይተቐበሉ ክርስትና ብቓልን ሕይወትን ከብጽሕ ከምዝተጸውዔ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና የተሓሳስብ እዚ ንምፍጻም እንተግሃሉ እዋኑ ሕጂ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.