2011-11-22 13:36:43

ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ጉባኤ


ናይ ካቶሊክ ዓንቀጸ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዊሊያም ለቫዳ ሊቀ መንበርነት ካብ ዕለት 28 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ RealAudioMP3 ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንፃ ቅድስቲ ማርታ ክካየድ ከምዝኾነን፣ ናይቲ ጉባኤ ከይዲ ኣብ ቀረባ እዋን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ላውሳነ፣ ጀነቭን ፍሪቡርግ ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑ ዝተሾሙ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ሞረሮድ ዝምራሕ ከምዝኾነ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ የመልክት።
እዚ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዓመታዊ ክፍለ ጉባኤ፣ ናይ እዋናዊ ቲዮሎጊያ ሥነ ኣገባብን፣ ሥነ ኣሃዱ ኣምላክን ከምኡ እውን ትርጉም ናይ ካቶሊክ ዓንቀጸ ሃይማኖት ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ሰለሥተ ኣርእስታት ዝዝትይ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.