2011-11-22 15:13:26

አፍሪቃ ምድረ ተስፋ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳኣት በነዲክቶስ አብ ምዕራባዊ አፍሪቃ እትረከብ ሀገር በኒን ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ብሰላም ናብ ሐዋርያዊ መንበሮም ተመሊሶም አለዉ ።

ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተጓዕዙ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙኀን ከም ዘመልከትዎ ፡ በነዲክቶስ ካብ ኮቶኑ መዕረፍ ነፈርቲ ካርዲናል በርናርደን ጋንተን ክነቅሉ ከለዉ ፡ ብሐፈሻ ኩሎም አፍሪቃውያን ተዓሪቆም ሰላማውን ፍትሐውን ሕይወት ከሕልፉ ተመንዮም ።

ናይ በኒን ናይ ቤተ ክህነትን መንግስትን ላዕላዎት ሰበስልጣናት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከፋንዉ አብ ኮቶኑ ካርዲናል በርናርደን ጋንተን መዕረፍ ነፈርቲ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

በነዲክቶስ ምበል 16 ካብ መረፍ ነፈርቲ ንመንበረ ሐዋርያ ጵጥሮስ ክነቅሉ ከለዉ፡አብ ምደረ አፍሪቃ ንሳልስቲ ዘካየድክዎ ሐዋርያዊ ዑደት ብጽቡቅ ተጀሚሩ ብጽቡቅ ምዝዛሙ እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን ነቲ ብህዝቢ በኒን ዝተገብረለይ ሕያውነታዊ አቀባብላ ክአ ብልቢ የመስግን ብማለት ከም ዝገለጹ እቶም መራኸቢ ብዙኀን አገንዚቦም።

ቀጺሎም አፍሪቃ ምድረ ተስፋ ከም ዝኾነት ጠቂሶም ትሕዝቶ ናይቲ ንጳጳሳት አፍሪቃ ዘረከብክዎ ሐዋርያዊ ሰነደ-ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ አብ ዕለታዊ ዜጋታት አፍሪቃ አዎንታዊ አስተዋጽኦ ክገብር ተስፋ ከም ዘለዎም አገንዚቦም።

ትሕዝቶ ሐዋርያዊ ሰነደ-ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ አብ ግብሪ ክትርጐም ዓቢ ተስፋ ከም ዘለዎም ክአ ከም ዘመልከቱ ተገሊጹ ።

እቲ ብ1994 አብ ውሽጢ ቫቲካን ካልአይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ አብ ዝተኻየደሉ ግዜ ቤተ ክርስትያን አፍሪቃ ንዕርቅን ንሰላምን ንፍትሕን ብዝብል መሪሕ ቃል ከም ዝተኻየደ ዝዝከር ኢዩ ።

አብዚ አብ በኒን ንሳልስቲ ዝጸናሕክሉ ግዜ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ሃይምኖት መራሕትን ናይ መንግስቲ ሰበስልጣናትን ተራኺበ ሐሳብ ንሐሳብ አብ ዝተለዋወጥክሉ ግዜ ብሔር ብሄረ ሰባት ህዝቢ በኒን ብሰላም ብስኒት ብሐባር ከም ዝነብር ተረዲኤ ፡ እዚ በብሃይማኖትካን ባህልኻን ተኸባቢርካን ምንባር ሕብረተ ሰብ ብሰላም ምእንቲ ከነብር ወሳኒ ከም ዝኾነ በነዲክቶስ መበል 16 አገንዚቦም።

ህዝቢ አፍሪቃ ፡ ጨውን ብርሃንን ዓለም ክኸውን አበራቲዖምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ክአ ምስቶም ዘፋነውዎም ናይ ሃይማኖታትን መንግስትን ሰበስልጣናት ተፍንዮም ።

አብ በኒን ናይ መዲና ኮቶኑ ሊቀ ጳጳስን ናይ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንብርን ብፁዕ አቡነ አንቶኒ ጋንየ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ በኒን ብዚምልከት ጽሙቅ ርእይቶ ክህቡ ተሐቲቶም ክምልሱ ከለዉ ፡

ብመሠረቱ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ በኒን ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ፍጹም ዕዉትን ተስፋ ዝህብን ከም ዝነበረ ጠቂሶም ፡ እዚ አብ በኒን ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ ንመላእ ህዝቢ አፍሪቃ ዚምልከት ከም ዝኾነ አገንዚቦም ።

ናይዚ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ መሪሕ ቃል ዕርቅን ሰላምን ፍትሕን አብ አፍሪቃ ዝተሰየመ ከም ዝኾነ ዘኪሮም አብ ሀገራት አፍሪቃ ዕርቅን ሰላም ክወርድ ህዝቢ አፍሪቃ ነዚ መሪሕ ቃል ገቢራዊ ክገብሮ ትጽቢት ከም ዘለዎም ክአ ሐበሬታ ሂቦም።

ብኻልእ ወገን ናይ በኒን ካሪታስ ተራድኦ ማሕበር ፡ ዋና ጽሐፊ እናቴ ለኒ ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ መበል 16 አብ በኒን መልእክተ ተስፋን ሰላምን ዝሐዘለ ከም ዝነበረ ጠቂሰን ፡ ብሐፈሻ ህዝቢ በኒን ብምልኡ ክብሃል ብዝክአል መልክዑ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበረሎም ዉዕዎዕ አቀባብላ ህዝቢ ዕርቅን ሰላምን ከም ዘፍቅርን ከም ዘድሊ ክትርዳእ ትኽእል ብማለት መግለጺ ሂበን ።



እዚ ብቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ በኒን ዝተኻየደ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ ብፍላይ ንካቶሊካውያን ምእመናን ቃለ እግዚአብሔር እንደገና ከም ዝተበሰርና ይርድአኒ ።

ተካኢ ቅዱስ ጰጥሮስ አብ ሞንጎና ክርከቡ ንርእሱ ፀጋ እግዚአብሔር ኢዩ ዝበላ እናቴ ለኒ እዚ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ዝሰንየና ተስፋ ዝህበና ምሉእ ሐጎስ ዝህበና ሐዋርያዊ ዑደት”ዩ ንህዝቢ በኒን ጥራሕ ዘይኮነ እዚ ንህዝቢ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ዝጸሊ አዎንታዊ ተረክቦ እዩ ከም ዝበላ ተገሊጹ።

አባ ለኦፖልዶ ሞለና ማሕበር አፍሪቃዊ ሚስዮን ብወገኖም ፡ ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ አብ በኒን ብብዙሕ መንገዲ ክትርጐም ዝክእል ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ ብሐደ ወገን ህዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ክርስትያናዊ ሕይወት ክነብር ዘበረታትዕ ዘተሐሳብ በቲ ሐደ ወገን ክአ ማሕበራዊ ሽግራት ንምውጋድ ሕብረት ማሕበረ ሰባት ከም ዘድሊ ኩሉ ዘማልኤ መልእኽቲ አመሐላሊፉ ብማለት ርእይቶ ከም ዝሀቡ ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ ፍጻሜ ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ በኒን ፡ ብአኅጽሮተ ቃል ሰካም ጉባኤ ጳጳሳት አፍሪቃን ማዳካስካርን ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳት አፍሪቃ ዝተዋህበ ሰነደ - ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ ይምልከት ከም ዘሎ ካብ ኮቶኑ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ።

ጉባኤ ጳጳሳት አፍሪቃን ማዳካስካርን ምስ ተሐባበርቲ ተራድኦ ማሕበራት Catholic Rilief services ካቶሊካዊ ተቅዋም ተራድኦ ሚሰረኦር ሚስዮ ሐገዝ ንእትሳቀ ቤተ ክርስትያን ብሐባር እቲ ሐዋርያዊ ሰነደ ምዕዳን አብ ግብሪ ዝትርጐመሉ አገባባት ከም ዘጽንዕ ናይቲ ጉባኤ ሊቀ መንበርን አብ ታንዛንያ ናይ ዳሬ ሰላም ሊቀ ጳጳሳን ብጹዕ ካርዲናል ፖሊካርፕ ፐንጎ አብ ኮቶኑ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.