2011-11-20 12:30:53

ጽንሰታ ለማርያም ክብረ በዓል 2004 ዓ.ም.


መዝሙር፡ ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ. . . . . ።
ንባባት፡ ኤፌ፡3፡1~12፥ 1ዮሓ 2፡1~18፥ ግ.ሓ. 22፡1~12፥ ሉቃ 1፡26~38
ምስባክ፡ ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት፥ ፍጡነ ይርከበነ ሣህለከ እግዚኦ፥ እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ። “ዝሓለፈ በደልና አይትዘክረልና፥ ምሕረትካ ብቕልጡፍ ይውረደና፥ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና” መዝ 79፡8። (ናይ ዕለቱ ምስባክ)።
    “ዓጸደ ወይን አፍለስከ እም ግብጽ፡ ሰደድከ አሕዛብ ወተከልከ ክያሃ ወጼሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ”። (ናይ ጽንሰታ)።

ሒዝናዮ ዘሎና እዋን አብ ብዓለ ልደት ገጹ ዘሰናድወና ስለ ዝኾነ አስተምህሮ ተባሂሉ ይጽዋዕ። መገዲ አምላኽ ክንፈልጥ ንሓቂ አብ ሕይወትና ክንለብሳ እሞ አብ ጎደና አምላኽ ክንምርሽ። አብ ዕለተ ልደት ደቂ ብርሃን ኮና ንኻልኦት ብርሃን ክንከውን ዝዕድም ቅዱስ እዋን ኢና ሒዝና ዘሎን። ካብ 6 ኅዳር ክሳብ 13 ታሕሣሥ ዘሎ እውን አስተምህሮ ኢልና ንጽውዖ። አብዘን ዕለታት ብፍሉይ ብዛዕባ ሕያውነት አምላኽ፥ ትዕግስቲ፥ ክብሪ፥ ምስጋና፥ ንአምላኽ ክንገብሮ ዝግብአና ክነስተንትን ይሓተና። ንዓቢይ ጉዳይ ካብ ሕጂ ምቅርራብ ክንገብር እሞ ሕይወትና ንአምላኽ ዝበቅዕ ገርና ክንጸንሕ ዘሰናድወና ቅዱስ እዋን እዩ።
መዝሙር፡ “ሕያዋይ እግዚአብሔር አበሳና ዘኪሩ ጭሪሽና ክንጠፍእ አይሓደገናን፥ ሙሴ ንህዝቢ ሰንበት ከኽብሩ አዘዞም” ይብል።
እግዚአብሔር ዝሓለፈ አይፈልጥን እዩ ዝብል አዘራርባ አሎ ማለት ሕጂ ዘለናዮ እዩ ዝርኢ ትማሊ ዝገበርናዮ ክፍእ በዚ ሕጂ እንገብሮ ጽቡቕ ይትካእ። አብ ገለ እዋን ክፍአትና ኃጢአትና በርቲዑና አብ አምላኽ ክንምለስ ይኸብደና ተስፋ ንቖርጽ እሞ አብ ዝገደደ ጥልመትን ኃጢአትን ንወድቕ ሽዑ ደቂ ጸልማት ካብ አምላኽ ርሒቕና ተፈጥሮና ጸሊእና ንነብር። አምላኽ ግን አፍደገ ምሕረቱ ከፊቱ ሎምዶ ይምለሰኒ/ትምለሰኒ እናበለ እታ ንጥፍአት ደፊርና ዝአቶናይ መገዲ ብአአ ክንምልሶ ይጽበየና። አብ አቦና ክንምለስ እምብአር ሎሚ መዓልቱ እዩ።
አብዚ ዓዲ እንርከብ ዓመታዊ ብዓልና “ጽንሰታ ለማርያም” ዘኪርና ነብዕል አሎና። እነብዕሎ ንአና ክጠቕመና ነደና ዘኪርና አብ ቤት አቦና ክንአቱ ምእንቲ እዩ። ንቤት አቦኻ በደኻ አቢልካ ክትአትዎ ቀሊል እዩ። ምሕረት በደ አቢሉ ክመጽእ እንከሎ ዋሕስ አልኦ አብ ፍቕርን ሓልዮትን ስለ ዝምስረት። እግዚአብሔር አቦና እምብአር ሎሚ በታ አብ መስቀል ብወዱ ገሩ ካብ ዝኽትምና ኃጢአት ነጺሕና አደ ክትኮነና ዝሃበና ገሩ ክንምለሶ አፍደገ ምሕረት ይኸፍተልና አሎ። ሰብ ጸልማት ጎልቢብዎ ሰይጣን ተዓዊትሉ ከዕኖኑ ንርኢ አሎና። ልቢ ተሸፊኑ ድነ ሞት አንጸላልይና አብ ስቓይን ቃንዛን እንነብር ውሑዳት አይኮናን። ሎሚ ከስ ክንቅይር እሞ ጎደና ፍቕርን ምሕረትን ክንጭብጥ ነቲ ልብና ከሊእናዮ ዘሎና አቦና፥ ማርያም መንጎኛና ገርና ድፊረ ክትዕረቐኒ መጺኤ አሎኹ ንበሎ።
ዕርቂ አምላኽን ዕርቂ ሓውን ሎሚ ንአና ብፍሉይ መዓልቱ እዩ። ክቡራት መፍቀትሪ ማርያም ሎሚ ንመንፈሳዊ ዓወት ክንብገስ እሞ አብ ደምበ አምላኽ አቲና ደቂ ሰማይ ክንከውን ብርሃን ምሕረት ብማርያም ክመጽአና መንጎኛና ገርና ንመሓሪ አምላኽ ንቕረቦ።
ጽንሰታ ለማርያም ብዓል ዝገብሮ አብቲ ንሳ ምስአምላኽ ዘልአ ርክብ ዝምስረት ስለ ዝኾነ እዩ። አብ ዋዜማ ከምዚ ይብል፡”ንድንግል ነታ ካብአ ሰብ ዝኾንኩ ክንገር ዘይክአል ቃል አብአ ዝኃደረ ባዕለይ ብኢደይ ፈጠርክዋ ይብል መንበሩ ናይ ኪሩቤል አብ ኢዮር ማኅደሩ ዝኾነ እግዚአብሔር”። ኩሉ ናይ ማርያም ነገር ምስ አምላኽ ዘልአ ርክብ አገናዚብና ጥራሕ ኢና ክንርእዮ ዝግብአና። አምላኽ ካብ መጀመርያ ንማርያም ፍሉይ ጸጋ ዓዲልዋ። ገብርኤል መልአኽ ከበስራ እንከሎ “ሰላም ንአኺ ምልእተ ጸጋ” እናበለ ካብ መጀመርያ ብጸጋ ምልእቲ ምዃና ገሊጹ። “እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ” ሰብ እግዚአብሔር ምስኡ እንተሎ መን እዩ ዝኽእሎ። ቅዱስ ጳውሎስ “ለእመ አግዚአብሔር ምስለነ መኑ ይክለነ” እግዚአብሔር ምሳና እንተሎ መን እዩ ዝኽእለና ይብል። ሞትድዩ ስቓይድዩ ሕማም ወይስ ስደት እናበለ እግዚአብሔር ምሳና ክህሉ እንከሎ ፍሉይ ጸጋ ከም እንለብስ ይነግረና። ማርያም አደ አምላኽ ክትከውን ዝተሓርየት እምብአር ፍሉይ ጸጋ ከም ዝለበሰት ካብ መጀመርያ ዘጠራጥር አይኮነን።
ብዓለ ጽንሰታ ንብዙሓት ክርድኦም ይጽግሞም ወይ ዘይናቱ ትርጉም ይህብዎ። ብዙሓት ነቲ ናይ ኢየሱስ ብዘይ ምድራዊ አቦ ምጽናሱ ከም ዘስምዕ ይገልጹ። ብዘይኃጢአት ምጽናስ ንማርያም እዩ ዝምልከት ንሳ ካብታ መጀመርያ ጽንሰታ ዝኾነ ኃጢአት አይለኸፋን። ንሳ ብቐዳሲ ጸጋ ተሸሊማ ካብታ መጀመርያ ካልኢት ጽንሰታ። እዚ ግንዖት አቕዲሙ ብመንጽር እቲ ካብአ ዝውለድ ኢየሱስ መድኃኒና ተራእዩ እዩ። ማርያም ካብ መጀመርያ አብ ማኅጸን አዲአ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ኮይና ተወሊዳ። እዚ እዩ ትርጉም ብዓልና።
ካልእ ነገር እዚ ብዓል ዝሕብረና ኸአ ብዛዕባ ናይ አቦና አዳም ኃጢአትን ማርያምን እዩ። ማርያም ካብ ዝኾነ ኃጢአት አዳም ነጻ እያ ክንብል ከሎና ንሳ ካብ ዝኾነ ክፍአትን ካብ ዝኾነ ቀዳሞት ወለድና ዝገበርዎ ኃጢአት ነጻ እያ። ንሳ ካብዚ ነጻ ዝኾነቶ ምኽንያት አደ ኢየሱስ ክትከውን ስለ ዝኾነት እያ። አብዚ እዋና ዘሎ ርድኢት ናይ ብዙሓት ሓዲስ ትምህረተ መለኮት ዝኽተሉ ከምዚ ዝስዕብ ክርአ ይክአላ። ናይ አቦና አዳም ኃጢአት ክብሃል እንከሎ ነቲ ንሕና ምስኡ ዘሎና ሓድነት እዩ ዝገልጽ ማለት አባና ዘሎ ጉዱላት ምዃና ብባህርና፥ አብ መንጎና ዘሎ ባእሲ መንፈስን ሥጋን፥ንርእስና ልዕሊ ኩሉ ክንገብር ዘሎና ስምዒት. . . እዝን ካልእን ድኽመታት የስምዕ። ማርያም ካብዚ ኩሉ ነጻ እያ ምኽንያቱ ንሳ ንድላይ አምላኽ ተቐቢላን ንኻልኦት አፍቂራን። ከም ኢየሱስ ንሳ ሕይወታ ምእንቲ ካልኦት ዘወፈየት እያ። ነዚ ድኹም ባህርና አሸኒፋቶ እያ።
ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ጽቡቕ ገሩ ይገልጾ። አብ ውሽጥና ድርብ ቃልሲ አሎ ይብል ”ነቲ ዝገብሮ አይፈልጦን እየ ከመይ ነቲ ዝጸልኦ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ እምበር ነቲ ዝደልዮ አይኮንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ” (ሮሜ 7፡15) እናበለ ነቲ አብ ውሽጥና ዘሎ ክልተ ተገራጫዊ መንፈስ ብሰንኪ ኃጢአት ዝመጸና ይገልጽ። አብ ሕይወትና እንተ ረኤና ኩልና ነዚ ክንርኢ ንኽእል። እዚ ኸአ እዩ ምንጪ ናይ ኃጢአት። ንኻልኦት ከም እንጎድእ ዝገብረና። እዚ ግን ብጸጋ አምላኽ ክነሸንፎ ንኽእል ኢና። አብ ሎሚ ዝተነበት መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ከም ዝንርእዮ ክርስቶስ ሓርዩና እዩ። አብ ቅድሚኡ ቅዱሳትን ብዘይ መንቅብን ክንከውን ጸዊዕና እዩ። እዚ አብቲ ናይ ሎሚ ትርጉም ብዓልና ከም እንበጽሕ ይገብረና።
ብዓልና ዘዘኻኽረና (1) ንማርያም ክነመስግና፥ እነመስግና አደ አምላኽ ስለ ዝኾነት ጥራሕ ዘይኮነ ንሳ አብነትና ክንስዕባ ዘሎና አብ እምነትና እያ። ኩሉ ሕይወትና እምነትና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርና ክንመርሕ ንሳ መምህርና እያ ስለዚ ክነምስግና ግቡእና እዩ። ንሳ አብ ሕይወታ ንድላይ እግዚአብሔር ብምሉእ ተቐቢላ ከም ናይ ክርስቶስ ሕይወት ነራ፥ እዚ ኸአ ዝኾነ ሰብ እንተ ደለየ ክገብሮ ዝኽእል እዩ። ኩሉ ሕይወታ ብዘይ ኃጢአት እያ ነራቶ።
ወንጌል ብዘይ ኃጢአት ከም ዝተጸንሰት ምልክት ይህበና “ሰላም ንአኺ ጸጋ ዝመልአኪ”። ማርያም አብ ምሉእ ሕይወታ ንሕይወት ከምዝተዋህባ ተቐቢላቶ ምስ ኩሉ ዘይንጹር ዘይተረጋገጸን ስቓያቱን ተቐቢላቶ። (2) አብ ሕይወትና አብነታ ክንክተል። አብ ማርያም ክንመርሖ ዝግብአና ወይ ክንክተሎ ዝግብአና ነገራት ንረክብ። ሕይወትና ድላይ አምላኽ ምግባር እዩ ተፈጥርአ። ንአምላኽ ጽን ኢልና ክንሰምዕ እሞ ንድላዩ አብ ኩሉ ሕይወትና ርክባትና ክንፍጽሞ። ድላይ አምላኽ ነቲ ዝጓነፈና ምቕባል እዩ ማለት ድላይ እግዚአብሔር እንታይ ከም ዝገጥመና ዘይኮነ ነቲ ዝገጥመካ ምቕባል እዩ እዚ ኸአ ብመንፈስ ክርስቶስ እዩ።
ብዓልና ብፍሉይ ንነፍስወከፍና ነዘን ዝስዕባ ክንገብረ ይሓተና፡

በዚ ብሩኽ ዕለት ንደአምላኽ አደና ምስ ውድኺ ዕረቕና ካብ መገዲ ወድኺ ወጺእና እንተሎና እንምለሰሉ ጸጋ ለምንልና ንበላ። ንግደትና ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልና እንዕርጎ መስዋዕትን ጸሎትን ተቐቢሉ አብ ዓድናን ዓለምና ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ብአማላድነት አዲኡ ሰላም የውርደልና።
ብሩኽ አውደ ዓመት ንኹልና
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.