2011-11-19 14:58:28

መበል 22 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቤኒን
ቃለ መሕትት ጋዜጠይናታትን መልሲ ቅዱስ ኣቦናን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ናብታ መበል 22 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዝፍጽሙላ ኣፍሪቃዊት ሃገረ በኒን እንክነቕሉ ኣብታ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ሓቢሮምዎም ምስ ዝጓዓዙ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናት ልኡኻት ጋዜጠይናታት ነዘቕረብሎም ሕቶታት እክምልሱ፣RealAudioMP3 ቤኒን እታ ዴሞክራስያዊ ሥርዓት ዝሰፈና ንናይ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ኣብነት ኢያ ቢሎም፣ ኣፍሪቃውያን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ካብቲ ጠንቂ ሰብኣዊ ንጥፈታት ውልቃዊ ረብሓ ናይ ሰባት ንምርዋይ ኢዩ ዝብል ፍልስፍና ንሱ ድማ ስስዔን ፍትወት ነብስን ንኣይነትን ንዝብል ዓይነት ሕይወት ከሰንፉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫታካን ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ዜና የመልክት።
ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ እታ ሓድሽን ውዕዉዕን ሃይማኖታዊ መንፈስን ሕይወትን ዝመልኣ ከምዝኾነትን፣ ቤኒን በቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ጽኑዕን ቀጻልን ናይ ሓባር ዘተ ናይ ሰላምን ነጻነትን ረቛሒ ከምዘቖመት ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም፣ ስለዚህ ክርስትና ኣብ ኣፍሪቃ ብቕንዕና ህላዌ ክርስቶስ ንምግላጽ ተኽእሎ ዘለዎ ክኸውን ይግብኦ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከቢድ ተመሲሉ ክርኤን ክሕሰብን ዘይኮነስ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ባህልታት ርክብን ሕውነትን ዘተባብዕ ኢዩ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣበው ናይ ሃገረ በኒን ተባሂሉ ዝንገረሎም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ዝተፈላለየ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ብፍላይ ድማ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ኮይኖም ነዘገልገሉ ዕለት 13 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ካርዲናል በርናርዲን ጋንቲን ዘይርስዑ ብጻይ ር.ሊ.ጳ. እንክብሉ ዘኪሮም፣ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቀንዲ ዕላማኡ ቤኒን ኣብ ውሽጥን ብወጻእን ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ምዃናን፣ መንግሥታዊ ትካትላትን ተቛምትን ተግባራውነት ዝተረጋገጾ ናይ ፍትሕን ንናይ ሓባራዊ ጥቅሚ ዝኣመተ ዕዮ ዝፍጸመላ ናጽነትን ሓላፍነት ዝስትንፈሰላን፣ እዚ ኩነት’ዚ ድማ ነቲ ናይ ሰላምን ነጻነትን ቀዳማይ ረቛሒ ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣብ መንጎት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዘተን ንኽረጋገጸላ ዘብቕዓ ሃገር ምዃና ዝምስክር ኢዩ።
ወንጌላውያንን ጴንጠቆስጣውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብቐሊል ዝማራኽ ሃይማኖት ብምቕራብ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣብ ዝስሕባሉ ዘለዋሉ እዋን፣ ክርስትና ምስዚ ዓይነት ኩነት ብኸመይ ይገጥሞ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ ቅዱስ ኣቦና እንክምልሱ፣ ነቶም ናይተን ኣቢያተ ክርስትያን ማኅበረሰብ ክንመስል ኣይግባእን፣ ስለዚ ንናይ ካቶሊክ እምነት ሓድሽን ውዕዉዕን ሕይወት ክንህብ እንታይ ክንገብር ኣለና ዝብል ሕቶ ከነቕርብ ኢዩ ዝግብኣና። እዚ ድማ ኣስፍሆተ ወንጌል ቅልል ብዝበለ መገዲ እውን እንተኾነ ዓሚዩቕን ንምርዳኡ ዝከኣል ኮይኑ ክቐርብ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ኢዩ። እቲ ዘገድስ ክርስትና ክትነብሮ ዘጸግም ኤውሮጳውን ኤውሮጳ ክርድኦን ክፍጽሞን ጥራሕ ዝከእል ኮይኑ ክርኤ የብሉን፣ ከቢድ ከምዝኾነ ዘምስሎ ዓይነት ኣቀራርባ ብምውጋድ ኅላዌ እግዚኣብሔ ዘረጋግጽን እግዚኣብሔር ውስጠ ውሳጤና ዝፈልጥን ዘፍቅረናን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ሕውነትን ዘረጋግጽ ብግብሪ ዝንበር እምነት ዝብል ኵላዊ መልእኽቲ ኢዩ። ቤተ ክርስትያን ብከበድ እተቕርብ ዘይኮነስ ብከፊል ናይ ማኅበረሰብን ሰብኣውን ተበግሶታት እውን ዓቢ ኣቃልቦ እትህብ ክትኸውን ኣለዋ። ሊጡርጊያዊ ሱታፌ ብስምዒታዊ ወይ ድማ ኣብ ስምዒታዊ መግለጺታት ዝተመሥረተ ዘይኮነስ ናብቲ ንሕና እንኣትዎን ብኣኡ ንኽንሕነጽ ገዛእ ርእስና እንፈቐደሉን እነቕርበሉን ኅላዌ ምሥጢር መግለጺ ኢዩ።
ባህልታት ብወንጌል ምስባኽ ኵላውነት ባህርይ ክርስትና ከጥፍእ የብሉን። ስለዚህ ኣብ መንጎ ባህልታት ዝብል እምበር ሓደ ባህሊ ብኻልእ ባህሊ ክጽለው ዘይኮነስ፣ ናይ ባህልታት ርክብ ክብል እፈቱ ቢሎም፣ እዚ ድማ ነቲ ብካቶሊካዊ ኵላውነት ዓቢይ ክብሪ ዝተደገፈ ሕውነታዊ ኵላውነት የማዕብል።
ቀጺሉ ፖሊቲካዊ መልክዕ ዘለዎ ሳልሳይ ሕቶ ኣፍሪቃ ናይ ዓቀብቲ ሰላም ልኡኻት መሬት፣ ዓቀብቲ ሰላም ብሰፊሕ ዝለኣኹላን፣ መደባትን ጎስጓሳት ማኅበራዊ ዕርቂ ዝካየደላን ናይ ዕርቅን ሓቅን ዓወደ መጽናዕትታት መሬት ተባሂላ እያ እትግለጽ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሉ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ ሕብረተሰብኣዊ ምዕባለ ካብቲ ጠንቂ ሰብኣዊ ንጥፈታት ውልቃዊ ረብሓ ናይ ሰባት ንምርዋይ ዝብል ፍልስፍና ንሱ ድማ ስስዔን ፍትወት ነብስን ንኣይነትን ዝብል ሕይወት ዘንብሮ ፈላላይ መናድቕ ክውገድ ኣለዎ ቢሎም፣ እዚ ዓይነት ሓሳብ እውን ኣብቲ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘቕርቦ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘጠቓልሎ ሓሳብ እውን ምዃኑ እግረ መገዶም ኣዘኻኺሮም፣ ኣፍሪቃ ኣብ ተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌል ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናይ ተስፋ ምዝባዕ ዝረኣየሉ ምዕራባዊ ክፍሊ ዓለም ኣብ ዘቕንዔ ኣስፍሆተ ወንጌል ተዋሳኢት ቢልኩም ዶ ትግምቱ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሕይወት ደስተይናን ሕዳሴ ዝመልኦን ውዕዉዕ መንእሰይ ኣፍሪቃ እወታውነትን ተስፋን ደስተይናን ተዋዛይን ምዃኑ ገሊጾም፣ እታ ኣፍሪቃዊት ክፍለ ዓለም ናይ ሰብኣውነት ቀመጥ ኢያ። ናይ ሃይማኖትን ተስፋን ሓድሽን ውዕዉዕን መንፈስ ዝረኣየላ፣ ኮታ ብዛዕባ ክንየው ምዃንነት ማለት ተፈጥሮ ብኃንደበታዊ ምቛም ዝኾነ ኢዩ ዘይብል ብዛዕባ ክውንነት ናይ ገዛእ ርእሱ ርድኢት ዘለዎን ክውንነት ምስ እግዚኣብሔር ብሙልኡነት ዝብል ኣቃልቦ ዘንጸባርቕ ኢዩ። እዚ ኣቃልቦ’ዚ ድማ ካብቲ ሕይወት ዝቕይድን ዝውስንን ተስፋ ዘቕህም ኣብ ክርኤ ዝኽእል ተረእዮታትን እወታዊ ጭብጥታትን ናብ ዝኣምን ፍልስፍና ዘይንእስ ኣቃልቦ ዘለዎ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ካርዲናል በርናርዲን ጋንቲን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ምስ ብፁዕ ካርዲናል በርናርዲን ጋንቲን ኣብ 1977 ዓ.ም. ኣብ ሙዩንክ ንፍፈለማ ጊዜ ኣብ ናይ ወዲ ቤኒን ኣብ ሓደ እዋን ናይ ካርዲናል ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ነፍሰ ኄር ካርዲናል ጋንቲን ተመሃራይ ዝነበሩ ካህን ባርተለምይ ኣዱኮኖ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍን ንቕዱስ ኣቦና ኣብዚ ናይ በኒን ሓዋርያዊ መገሻኦም ዘሰንይዎም ዘለዉ ሥርዓተ ስሜተ ሊቀ ጵጵስና ኣብ ዝተፈጸመሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምእተራኸቡን ድሓር እውን ክልቴኣቶም ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተመደብሉ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍንት እውን ብምርኻብ ንነዊሕ ዓመታት በቢ ዘለዎም ሓዋርያዊ ሓላፍነት ተደጋጊፎም ከምዝዓየኑን እዚ ርክብ’ዚ ድማ ኣብ መንጎኦም ጽኑዕ ምሕዝነት ከምዝወለደን ዘኪሮም፣ ወዲ ቤተ ክርስትያን ነፍሰ ኄር ብፁዕ ካሪዲናል ጋንቲን በሊሕ ተግባራዊ ምስተውዓል ዝዓሰሎም፣ ሊቅ ዓሚዩቕን ናይ ምምማይን ምልላይን ግንዛቤ ዝዓሰሎም ትርጉም ዘለዎን ኣገዳስን ትርጉም ዘይብሉን ዘይኣገዳስን ኣብ ዝብል ፈላሊኻ ናይ ምሕራይ ብቕዓቶም ካብቲ ብጥቕስታት ተመስጦ ዝወሓጥ ተጎታትነት ኣመለኻኽታ ናጻ ዝኾነን፣ ተዋዛይነቶም፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ዓሚይቕ እምነት ዘለዎም ጸላይ ከምዝነበሩን ዘኪሮም፣ እዚ ዅሉ ተውህቦኦም ናይ ቀረባ ዓርኪ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ኣብነት ኣውን ክረኣዩ ዘብቕዖም ኢዩ። ሓደ ብፁዕ ጳጳስ ከም ኣብነት ክስዕቦም ዝግብኦም ኣፍሪቃዊ ካቶሊካዊ ጳጳስ ኢዮም ቢሎም፣ ኣብቲ ሓመድ ኣዳም ዝለበስሉ መቓብር ሥፍራ ክበጽሑን ቅርበቶም ጽን ክብሉን ጸሎት ከዕርጉ ምዃኖም እውን ከምገለጹ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ዝሃብዎ ጸብጻብ ዜና ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.